ዳኒኤል ስዩም ምስ በዓልቲ ቤቱ ሶልያናን ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ወዶምን ፡ ኣብ 2016 ኣኣ፡ ን ወለዱ ኣብ ናይ ቡን ሕርሸኦም ንምሕጋዝ፡ ካብ መልበርን ናብ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ እትርከብ ገጠር ኣገዮ ከይዶም። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ሃገረሰብ ናብራ ናብ መልበርን ተመሊሶም፡ ኣገዮ ኮፊ ዝተባህለ ካፌ፣ መቕለውን መከፋፈልን ቡን ዘጠቓልል ትካል ከፊቶም። ኣብ ከባቢ ኮሊንውድ ዝርከብ ኣገዮ ኮፊ ካብቶም ብኣፍሪቃውያን ዝውነኑ ፍሉጣት ካፌታት መልበርን ሓደ እዩ። ቡን ካብ ዘፍርዩ ሓረስቶት ዝተወለደ ዳኒኤል፡ ብዛዕባ ምስ ቡን ዘለዎ ምትእስሳር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፃንሒትን ሞያኡን ምስ ሃይሉ ሳህለ ኣውጊዑ ኣሎ።
Share






