“ኣነነት ዝበዝሓሉ፡ ብዙሕ ዝዛረብ ዉሑድ ሰብ ዝሰምዓሉ ግዜ ኢና ዘለና፡ ተስፋልደት ድማ ነዚኣ’ዩ ዝጽየን ኔሩ።” ዘካሪያስ ክብረኣብ

መስራቲ ናይ ፈለማ መዲያ ኣብ ዲያስፖራ ኤርትራ ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ን ድምጺ ደሊናን ዝነበረ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ፡ ጀማሪ ነጻ መዲያ ኣብ ወጻኢን ኣጆኻ በሃልን ብኻልእ ሰናይ ተግባራቱን ይዝከር። ድሕሪ ሕልፈቱ፡ ክብርታቱን ሓድግታቱን ንምቕጻል ብዝብል “Tesfaldet Alem Meharena Servant Leader for Justice Award.” ዝብል ዓመታዊ ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ምወሃብ እዩ። ብዛዕባ ክብርታት ተስፋልደትን ዝገደፎ ሓድግን ዝምልከት ምስ ቀዳማይ ተሸላማይ ናይቲ ሽልማትን ኣዳላዊ “መስትያት ቤትና” ዝኾነ ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት።
Share