ኣብ ኣውስትራሊያ ንዝስተ ማይ ዝቐርብ ጥዑይ ድዩ፧

tap water.jpg

Credit: Shttefan/Unsplash

ጽሩይ ዝስተ ማይ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ሕማቕ ሃዋህው ከኣ ፡ ቀረብ ዝስተ ማይና ኣዝዩ ክቡር እዩ ። ዝስተ ማይና ንጥዕናውን ድሕንነታውን ስርዓታት ዘማልእ ንክኸውን ክንክን ይግበረሉ እዩ ። ይኹን "ምበር ኣብ ሙሉእ ኣውስትራሊያ ዘሎ ቀረብን ጽፉፍ ዝስተ ማይ ፍልልያት ኣሎ ፤ እዚ ኣ ናይ'ቲ ማይ ካበይ ከምዝምንጩ ፤ ከባብያዊ ጽልዋ ከምኡ "ውን ኩነታት ቱቦታት ማይን ናይ ክንክን መሳለጥያታትናን ይምርኮስ ።


 ብኬሪ ማይ ጌርካ ጽምኢኻ ምርዋይ ፡ መንፈስ ዘሐድስን ክብ ጽምኢ ዝውጽእን እዩ ። እዚ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ መዓልታዊ ናይ ፈሳሲ ድሌት ኣካላትና እዩ ።
ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ትነብረሉ ቦታ ናይ መስተ ማይ ካበይ ከምዝመጸ ይውስን - እዚ ድማ ካብ ጨዉ ዝተኣልየ ማይ ባሕሪ ፣ ካብ ናይ ትሕቲ መሬት ማይ፡ወይ ካብ ሓጽብታት ክከውን ይኽእል ።
ኣብ ከተማታትን ኣብ መብዛሕትአን ከተማታት ዞባታትን ፡ እዚ ዝስተ ማይ እዚ ፡ በቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ናይ ማይ ቀንዲ መርበብ ኣቢሉ እዩ ናብ ኣባይቲ ዝኣቱ ።

ስለዚ ፡ ነቲ ኣብ ክሽነኻ ዘሎ ቡምባ ኽትከአፍቶ ከለኻ ፡ እቲ ማይ ዝስተ ጽሩይ ምዃኑ የሕስበአካ ዶ ? ክልተ ክኢላታት ማይ ብዛዓ'ዚ ምኽሮም ክህቡ ሓቲትናዮም ኣለና ።

ዶ/ር ኤምሊ ክዌክ ኣብ ማሕበር ማይ ኣውስትራልያ ፡ ኣደ-መንበር መርበብ ኪኢላታት ብቕዓት ማይ እያ።
እወ ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኣውስትራሊያ ፡ ማይ ቡምባ ምስታይ ውሑስ እዩ ። ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ማይ ፍቓድ መምርሒ ብቐጻሊ ዘማልእ ኣብ ጥዕና ዝተሞርኮሰ ጥቡቕ ዝኾነ መለክዒታት ዘማልእ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ እዩ ፡ ከምኡ "ውን ናይ ማይ መሳርሒታት ውሑስ ንክኸውን ብስሩዕ ይፍትንዎ እዮም ።.

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ሲቪል ምህንድስና ተመራማሪ ጽርየት ማይ ፕሮፌሰር ስቱዋርት ካርን ምስዚ ይሰማማዕ ።
“ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ኣውስትራልያ ፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ብዘየማትእ መገዲ 'እወ "እዩ ። እንተኾነ ግን ድሕንነት ተዛማዲ ስያመ እዩ ከምኡ "ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ናይ ማይ ቀረብ ካብ ካልኦት ብዝነኣሰ መጠን ድሕንነት ኣሎ ። እቲ ኣዝዩ ፈታኒ ዝዀነ ቀረብ ጽሩይ ማይ ፡ ነቶም ኣብ ንኣሽቱ ዞባታትን ኣብ ግሉል ቦታታትን ዝነብሩ ሰባት እዮም  ። እዞም ማሕበረሰባት እዚኦም እዮም ብዙሕ ግዜ ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂታት ናይ ማይ ክንክንን ናይ ማይ ጽፉፍ ዝኾነ ምክትታል ዘይረኽቡ፡ ከምኡ "ውን ነዚ ክከታተሉ ዝኽእሉ ግቡእ ስልጠናን ክእለትን ዘለዎም ሰባት ናይ ምርካብ ዕድል ትሑት ።.

Emily Quek with Stuart Khan.jpg
Water experts Dr Emily Quek and Professor Stuart Khan Credit: Emily Quek/Image supplied; Stuart Khan/Iain Bond

ማይና ብኸመይ እዩ ክንክን ዝግበረሉ?

“መብዛሕትኡ ግዜ ኣውስትራሊያዊ ናይ ማይ መምርሒ ብዛዕባ ፍሉይ መስርሕ ምፍዋስ ዝስተ ማይ ኣይገልጽን እዩ ። እቲ ኣብ ኮንዶኾን እተመስረተ ንድፊ ፡ ገሊኡ ምንጭታት ማይ ካብ ካልእ ንላዕሊ ፡ ወይ ካብኡ ንታሕቲ ፡ ብቐሊሉ ንኺብከል ከም እተቓልዐ ይገልጽ ። ስለዚ ፡ እቲ ናብ ቅቡል ደረጃ ድሕነት ንምብጻሕ ዝሕተት ዓይነትን ደረጃን ክንክን ፡ ካብ ሓደ ቀረብ ናብ ካልእ ይፈላለ እዩ.” 

ስቱዋርት ከም ዝገለጾ ፡ እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝዝውተር ልሙድ መስርሕ ፍወሳ ማይ ፡ ምጽርራይን ብ ክሎሪን ምጽራይን ዘጠቓልል እዩ ።
ምጽራይ ወይ Coagulation ከሚካላዊ መስርሕ ኮይኑ ጠልጠል ንዝበለ ነገርን ኦርጋኒካዊ ነገራትን ዘወግድ መስርሕ እዩ ፡ ብሓባር ናብ ዝገዘፈን ዝኸበደን ነገር ከም ዝስራሕ ብምግባር ፡ እቲ ርስሓት ብቕጽበት ብቐሊሉ ክጠፍእ የኽእል ።
“ጀርምታት ንምቕታልን ውሑስ ንምግባርን  ንመብዛሕትኡ ዝስተ ማይ ኣውስትራልያ ፡ክሎሪን ይውሰኾ ። ምምሽማሽ ስኒ ንምክልኻል ፍሎራይድ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ይውሰኸሉ እዩ  ።ብናይ ኣውስትራሊያ ትካል  መምርሒ ፍቓድ ማይ  ክልቲኦም ኬሚካላት ውሑሳትን ኣብ ትሑት ደረጃ ኣብ ጥቕሙ ዝውዕሉን እዮም ፤.”
ስቱዋርት ፡ እዚ ናይ ማይ ሕክምና ስጕምትታት እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ ።
“ኣብቲ ማሕበረሰብ እተወሰነ ሻቕሎት እኳ እንተ ሃለወ: እቲ ናይ ፍሎራይድ ማይ ምስታይ ኣዝዩ ውጽኢታውን ኣዝዩ ውሑስን እዩ ። መኸተ ክሎሪን ፡ ነቶም ኣብ መገዲ ዝርከቡ ደቀቕቲ ተህዋስያን 'ምቕታል "ወይ ምቅጻል ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ ። ብክሎሪን ክንክን ዝተገብረሉ ዝስተ ማይ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ህይወት ሚልዮናት ሰባት ኣድሒኑ እዩ.”

ንምንታይ እዩ ጣዕምን ጽርየትን ማይ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝፈላለ?

ጽፈትን መቐረትን ዝስተ ማይ እውን ክፈላለ ይኽእል እዩ: አረ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ከተማታት እውን ከይተረፈ ክፈላለ ይኽእል እዩ ።
“እቲ ቀዳማይ ምኽንያት ፡ እቲ ማይ ካብ እተፈላለየ ምንጭታት ስለ ዝመጽእ እዩ ። ገለ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ፡ ኣብ ባይታ ኣብ ዝርከብ ማይ እየን ዝምርኰሳ ፣ እዚ ከኣ ኣብ ማዕድንን ጨውን ክፈላለ ይኽእል እዩ ። ገሊኦም ካብ ቀላያት ወይ ጐዳጕዲ ማይ ይጥቀሙ እዮም ፣ እዚ ከኣ ንዕቤት ኣልጌ ክጸልዎ ይኽእል እዩ ። ሓያሎ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ፡ ዘይተኣደነ ማይ ባሕሪ ዘለወን ከም ተወሳኺ ዝስተ ማይ ይህባ እየን ፣ እዚ ከኣ ኣዝዩ ዝነጽሀ እዩ ፣ ካልእ ምንጪ ተለዋዋጢነት እውን እዩ ።.”

Warragamba Dam.jpg
Warragamba Dam provides drinking water for Sydney. Credit: Deeva Sood/Unsplash
In regional areas, there are several factors which can influence local drinking water quality. 

ኤሚሊ ከምትብሎ ኣብ ዞባታት ኣብ ከባብያዊ ጽሬት ማይ ጽልዋ ክገብር ዝኽእል ብዙሕ ረቛሒታት ከም ዘሎ ትዛረብ ።
“ኣብ ገጠራትን ርሑቕ ቦታታትን ፡ ዝስተ ማይ ካብ ከም ዒላ ፡ ወሓይዝ ወይ ታንክታት ማይ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ምንጭታት ክመጽእ ይኽእል እዩ ። ደረጃ ፍወሳን ኣገባብ ተጻዋርነትን ከከም ከባብያዊ ትሕተ-ቅርጺ ፡ ኣብ ስራሕ ዘሎ ደገፍን ከባብያዊ ኩነታትን ክፈላለ ይኽእል እዩ.”
ከምቲ ስቱዋርት ዝገለጾ ድማ ፡ እቲ ዝስተ ማይ ካብ ማይ ትሕተ መሬት ወይ ካብ ጽፍሒ መሬት ማይ እንተ ኰይኑ ኣብ ግምት ብምእታው ፍልልያት ኣሎ ።
“ብዙሓት ኣብ ርሑቕ ቦታ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ኣብ ትሕተ መሬት ዘሎ ማይ እዮም ዝምርኰሱ ፣ ኣብ መሬት ዝርከብ ጽፈት ማይ  ፡ በቲ ኣብኡ ዘሎ ከም ካልስዩም ፡ ማግነዝዩም ፡ ሶድዩም ፡ ወይ ኣብ ገሊኡ መዳያት ፡ ኣርሰኒክን ዩራንየምን ዝኣመሰለ ማዕድናት ይጽሎ እዩ ። ሰባት ናብ እንታይ ዓይነት ደረጃታት ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ። ካልኦት ማሕበረሰባት ኣብ ከም  ኣፍላግን ወሓይዝን ዝኣመሰለ ኣብ ላዕሊ ዝርከብ ማይ ይጥቀሙ እዮም ፣ ጽፈት ማይ ከኣ ፡ ደድሕሪ ዝናምን ካልእ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት ክሊማን ክጽሎን ይኽእል እዩ.”
 

ባህርያዊ ሓደጋታት ንዝስተ ማይ እንተጸለዎ'ኸ?

ኣብ ኣከባቢ ዘጋጥም ፍጻመታት ፡ ቀረብ ዝስተ ማይ ምስ ዝጸሉ ፡ ፡ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ጥዕናን መሳርሒታት ማይን እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም መምርሒ ከም ዝህቡ ኤሚሊ ትገልጽ፡
“ኣብ ጽፈት ማይ ፍሉጥ ዝዀነ ወይ ዘጠራጥር  ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡  ነቲ ማይ ምሟቕ ወይ ንምጽራይ ፡ ጥንቃቐ ክግበር ይከኣል እዩ ፣ ስለዚ ፡ ከም ምዕልቕላቕ ማይ ዝኣመሰለ ክቱር ኵነታት ኣየር ምስ ዝህሉ ፡ ወይ ከኣ እቲ ኣብ ፍወሳ ዘሎ ዕንቅፋታት ምሉእ ብምሉእ ውጽኢታዊ ከይከውን ስክፍታ ምስ ዝህሉ ፡ ነቲ ማይ ከም መከላኸሊ ክውሰድ ይከኣል እዩ ።.”)
ቅድሚ 1980ታት ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበረ ብዙሕ ኣባይቲ ፡ ብሻምብቆታት ሊድ ወይ ብሊድ ዝተላሕመ ቱቦታት እዩ ዝስራሕ ነይሩ ።
ኣብዘን ዓበይቲ ህንጻታት ፡ እቲ ካብ ሻምብቆ ናብ ማይ ዝወጽእ ዓረር ብተዛማዲ ቀስ ኢሉ እዩ ዝቕየር ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ እቲ ማይ ንነዊኅ እዋን ኣብቲ ሻምብቆ እንተ ጸኒሑ ዘጋጥም እዩ። 
ኣብ ገዛኻ ከም ዓረር ዝኣመሰለ ማዕድናት ናብ ማይ ከም ዝኣቱ እንተፈሊጥካ፡ ቅድሚ ምጥቃምካ፡ ማይ በቲ ቡምባ ንዝተወሰ ካኣሊኢት ከምዝሓልፍ ግበር። ምግባር ዕዮ ሻምብቆታት መምርሒ እንተ ኣተሓሳሲቡካ ፡ ብፍላይ ንግሆ ቅድሚ ምጥቃምካ ንሒደት ካልኢታት ነቲ ቡምባ ከፊትካ ማይ ከዝፈስስ ምግባር ።

Flooding events impact water supplies.jpg
Flooding events can impact local drinking water supplies. Credit: Wes Warren/Unsplash

ኣብ ትሰትይዎ ማይ ለውጢ እንተ ርኢኹም'ከ?

ኣብ ዓይነት መስተ ማይካ ለውጢ ከምጽእ እንተ ኣስተብሂልካ ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ይብል ስቱዋርት ።
“ዓማዊል ዘተሓሳስቦም  ነገር እንተኣልዩ ነቲ ማይ ዘቕርበሎም ኣካል ሕቶኦም ከቕሩ ይኽእሉ። ምኽንያት ስክፍታኹም ምናልባት ካብ ጣዕሚ ናይቲ ማይ፡ ጨና ወይ ፍሉይ ሕብሪ ክህልዎ ምዝትዕዘብ ነዚ ምግላጽ ነቲ ኣካል እቲ ጸገም ፈሊጡ ፍታሕ ክህብ ዝሕግዝ እዩ።”
ብዛዕባ ጽፈት ማይ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ሪፖርት፡ን ዉጽ ኢት መርመራን ኣብ ኦንላይን ክርከብ ይከኣል እዩ። ስለዚ መምርሒ ንምርካብ ኣብ ኸባቢኹም ንዘሎ ኣቕራቢ ማይ ተወከሱ ።
ስለዚ ፡ ኣብ ዝቕጽል እዋን ፡ ብርጭቆ ማይ ምስ እትሰትይሉ ፡ ምስታይ ማይ ውሑስ ምእንቲ ክኸውን ፡ መለክዒታትን ኣተገባብራን ከም ዘሎ ብቐሊሉ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ ።



For more information about drinking water in Australia visit:
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.   


Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au 

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service