SKIP TO MAIN CONTENT

መጻኢ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዳግም ኣብ ሓደጋ ይኣቱ

Eritrean refugees at a makeshift cafe outside the Holot detention facility in the Negev Desert, along Israel's border with Egypt
Eritrean refugees at a makeshift cafe outside the Holot detention facility in the Negev Desert, along Israel's border with Egypt Source: AAP

እስራኤል ነቶም ዘይሕጋዊያን ትብሎም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ንኽወጹ ንምእማን ናይ ገንዘብን ናይ ኣየር ትኬት ክትከፍልን ምዃና ገሊጻ ኣላ። እቶም ዝበዝሑ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ዝኾኑ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት፡ ሰብ መዚ እስራኤል ንሃገራዊ መንነት ስግኣት ከምዝኾኑ ክገልጹዎም ከለዉ ሓደ ሚኒስተር ናይ መንግስቲ እስራኤል ‘ካንሰር’ ክብል’ዩ ጸዊዕዎም።


Published

By Beyene Semere

Source: SBS



Skip to podcast episode content

እስራኤል ነቶም ዘይሕጋዊያን ትብሎም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ንኽወጹ ንምእማን ናይ ገንዘብን ናይ ኣየር ትኬት ክትከፍልን ምዃና ገሊጻ ኣላ። እቶም ዝበዝሑ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ዝኾኑ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት፡ ሰብ መዚ እስራኤል ንሃገራዊ መንነት ስግኣት ከምዝኾኑ ክገልጹዎም ከለዉ ሓደ ሚኒስተር ናይ መንግስቲ እስራኤል ‘ካንሰር’ ክብል’ዩ ጸዊዕዎም።


እስራኤል ነቶም ዘይሕጋዊያን ትብሎም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ንኽወጹ ንምእማን ናይ ገንዘብን ናይ ኣየር ትኬት ክትከፍልን ምዃና ገሊጻ ኣላ።

 እቶም ዝበዝሑ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ዝኾኑ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት፡ ሰብ መዚ እስራኤል ንሃገራዊ መንነት ስግኣት ከምዝኾኑ ክገልጹዎም ከለዉ ሓደ ሚኒስተር ናይ መንግስቲ እስራኤል ‘ካንሰር’ ክብል’ዩ ጸዊዕዎም።

 "እቲ ተልእኾ," ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል , "ነቶም ዝተረፉ ካብዚ ንምውጻእ እዩ።"

 እቶም ዓሰርተታት ኣሻሓት ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ እስራኢል ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣትዮም ዝነብሩ ዘለዉ እዮም ኢሉ።

 ዝበዝሑ ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ እዞም ስደተኛታት ካብ ጭቆናን ማእሰርቲን ሃዲሞም ዝሓሸ ናብራ ንምንባር ከምዝመጹ እዮም ዝገልጹ፡፡

 እስራኤል ግና ሰሎዂቲ ኢላያ ትጽውዖም። ቀዳማይ ሚኒስተር  Benjamin Netanyahu ንካቢኔኡ ከምዝገለጾ እቲ ብዝሒ ስደተኛታት ዝሰልኩሉ ዝነበሩ ኣብ  ምስ ግብጺ ዘዳቡ ቦታ ኣብ 2013 ተሓጺሩ ነቲ ዋሕዚ ዓጊትዎ እኳ እንተኾነ በቲ በረኻ ድሮ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ዓሰርተታት ኣሻሓት ኣለዉ።

 እቲ መራሒ እስራኤል ከምዝገልጾ ነቶም ስደተኛታት ዘለዎም ኣማራጺ ቀሊል እዩ፡፣

  "እዞም ሰሎዂቲ ቀሊል ምርጫ እዩ ዘለዎም፡ ምሳና ብምትሕብባር  ብፋቓዶም ነዚ ሃገር ምግዳፍ፡ ብሓላፍነት፡ ብሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ብሕጋዊ መገድን ምውጻእ፡ወይውን በቲ ዘለና ብዙሕ መገዲታት ክንጥቀም ኢና። እዚ ንርእሱ በቲ ዘሎሕጊዩ ዝኸይድ። ተስፋ እገብር ምሳና ክተሓባበሩ ምርጫኦም ክከውን፡፣

 በዚ ስጉምቲ ካብ 36 ክሳብ 40 ሺሕ ሰባት ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ከምዝትንከፉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ፡፣

 ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ድሮ ኣስታት 1,400 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ፡፣

 እዞም ስደተኛታት ምስዘይተሓባበሩ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዝጽበዮም ዘሎ፡፣

 እቶም ፍቓደኛታት ዝኾኑ ግና ክሳብ AUD $4,500 (USD $3,500) ብመንግስቲ እስራኤል ክወሃቦምን ናይ ኣየር ትኬት ተቖሪጽሎም ወይ ናብ ሃገሮም ወይ ድማ ናብ ሳልሳይ ሃገር ተባሂለን ዘለዋ ኡጋንዳን ርዋንዳን ክስደዱ እዮም፡፣

 ናይ Hotline for Refugees and Migrants ዳይረክተር ኣህጉራዊ ዝምድናታት, Tamara Newman, ከምትገልጾ፡ እዚነቶም ስደተኛታት ናይ ክሳራ ብክሳራ ኩነታት’ዩ፡

 "እቲ መንግስቲ ነዞም ስደተኛታት ክልተ ኣማራጺ ከምዘለዎምዩ ዝነግሮም ዘሎ። ናብ ርዋንዳ ክጥረዙ ወይ ንዘልኣለም ኣብ ቀይዲ ክእሰሩ። እዚ ናይሓቂ ምርጫ ኣይኮነን፡ኩሉ ዝገበርናዮ መጽናዕቲታት ከምዝሕብሮ እቶም ናብ ርዋንዳ ዝተወስዱ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ እዩ ወዲውቑ።

 እስራኤል ካብቶም ናይ ዑቕባ ሕቶ ዝሓተቱ ሓደ ሚእታዊ ጥራይ እያ ተቐቢላ ንሓደ ምሉእ ዓመት ድማ ንዋላ ሓደ ሓታቲ፡ ዑቕባ ኣይሃበትን፡፣

 ተጣበቕቲ መሰላት ከምዝኸስዎ መንግስቲ እስራኢል ኮነ ኢሉ ካብ ኣፍሪቃዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሕጋዊያን ሓተቲ ዑቕባ ንሕቶኦም ኣዚዩ ቀስ ኢሉ እዩ መልሲ ዝህበሉ።

 ወሃቢት ቃል ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ከምትገልጾ እስራኤል ድሮ ነቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ድሮ ቀጺዓቶም እያ።

 "ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ብቐጻሊ ቪዛኦም ክሕድሱ እዮም ዝግደዱ። እቲ ዝወሃቦም ግዚያዊ ቪዛ  ንክልተ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ዝሰርሕ። ስለዚ ነቲ ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት ናይ መስጎጉ መምርሒ ዝወሃቦ ጊዜ እዩ።

 ተኽሊት ሚካኤል ካብ ኤርትራ ዝኸደ መጻኢኡ ተስፋ ዘለዎ ክኸውን ዝተሰደ እዩ።

 ንሱ ኣብ ተል ኣቪቭ ዝነብር ኮይኑ ናብ ዘይፈልጦ ሃገር ካብ ዝኸይድ መዋእሉ ክእሰር ከምዝመርጽ ይገልጽ።

 "እንተዘይተቐቢሎሙኒ ናብ ርዋንዳ ካብ ምኻድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ  ክነብር እመርጽ። ምኽንያቱ ኣብ ርዋንዳ ዝጽበየኒ ነገር ኣይፈልጥን እየ።ነዚ መንግስቲ እቲ ምስርዋንዳዝገበሮ ዕል ሓቲትናዮ እኳ እንተኾና ብዛዕባ ርዋንዳ ዝፈለጥናዮ ነገር የለን፣ እቲ ዝፈልጦ ግና ብዙሓት ናብኡ ምስከዱ ሰብመዚ ሰነዳቶም የሕድግዎም ስለዚና ብካልእ ሃገር የስግርዎም ኣለዉ ማለትዩ እቲ ዝፈልጦ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ርዋንዳ ዝጸንሕ የለን፡፣

 

 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now