ብኣማኢት ዝቑጸሩ እስራኤላውያን ኣካል ናይ’ቲ ብዝኽሪ ኣን ፍራንክ ተተባቢዑ መስርሕ ምጥራዝ ዝጽበዮም ንዘሎ ኣፍሪቃውያን ሓተትቲ ዑቕባ ንምድሓንን ንምዕቋብን ዝወጸ መደብ ንምዃን ብወለንታ ይጽንበሩ’ለው። ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣውስትራልያ ነቲ 38000 ሰባት ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝኾኑ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጓግን ምጥራዝን ፖሊሲ፡ 'ዝበዝሑ ናይ ብሓቂ ስደተኛታት ዘይኮኑስ ስራሕ ደልዮም ዝመጹ መንእሰያት’ዮም' ብምባል ተኸላኺልሉ።
Share






