“ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኤርትራዊያን ዝነብረሉ ኣባይቲ ካብ መጥቃዕቲ ዘዕቁብ የብሉን፡ ካብዝስደድ መጥቃዕቲ ነጻ ኣይኮኑን።” ተመስገን ሰመረ ካብ ራምለ እስራኤል

Israel-Hamas Conflict;Eritrean Refuees In Israel

Source: AAP

ኣብ መንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ሓማስን ግጭት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ እስራኤላዊያንን ፍልስጢኤማዊያንን ከምዝሞቱ ተገሊጹ ኣሎ። እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ብዝፍጸመቶ ደብዳብ ነፈርቲ ብርክት ዝበሉ ኣዘዝቲ ሓማስ ምሟቶምውን ተገሊጹ ኣሎ።። ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓላፊ ምህንድስናን ሓላፊ ናይ ሳይበርን ምምዕባል ሮኬት ዝርከብዎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓማስ ተቐቲሎም ኣለው ኢሉ። ሓማስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ ኣብ ከተማ ጋዛ መራሒ ወታሃደራዊ ስርሒት ባሰም ዒሳን ካልኦት ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሰበስልጣንን በቲ መጥቓዕቲ ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ጥዕና ጋዛ ከምዝገለጾ ድማ ወታሃደራዊ ሓይልታት እስራኤል ዒላማታት ናይ ሮኬት መወንጨፊ ቦታታት፣ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ጽሕፈት ስለያን መንበሪ ገዛውቲ መራሕቲ ሓማስን ደብዳብ ነፈርቲ ብምግባር ኣብ ጋዛ 13 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሑዱ 48 ፍልስጤማዊያን ክሞቱ ከለዉ ኣስታት300 ካልኦት ሰባት እውን ቆሲሎም ኣለው። እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ ዝኸይድ ዘሎ ዕግርግር ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዕጽው ኣኼባ ክዘራረብ መደብ ሒዙ ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት እቲ ዕግርግር ደው ክብል ይጽውዓ ኣለዋ። ኣብ እስራኤል ብዙሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ፡ እዚ ኩነታት ነቶም ስደተኛታት ብኸመይ ይጸልዎም ኣሎን ሓፈሻዊ ኩነታቶም ንምፍላጥ፡ ኣብከባቢቲ ኩነታት ዝካየደሉ ኣብ ከተማ ራምለ ዝነብር ኣቶ ተመስገን ሰመረ መብርሂ ሓቲትናዮ ኣለና ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል’ዩ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service