ጃሚላ ጎርደን ዓቢይ ሕልሚ እንተሃልዩ ዝኾነ ነገር ክብጻሕ ዘይከኣል ከምዘየለ ህያው ምስክር’ያ። 26 ጥሪ መዓልቲ ኣውስትራልያ ከነብዕለሉ ኣብ ንቃረበሉ ዘሎና እዋን ዛንታታት ፍሉጣት ሰባትን ኣውስትራልያዊ ምዃን ንዕኦም እንታይ ማለት ምዃኑን ከነቕርብ ኢና። ሚስ ጎርደን ካብ ውግእ ሓድሕድ ሶማልያ ኣምሊጣ’ያ ናብ ኣውስትራልያ ህጻን ስደተኛ፡ በይናን ቋንቋ እንግሊዝ ከይከኣለትን መጺኣ። ቀዳማይ ስርሓ ኣቑሑት ክሽነ ምሕጻብ’ዩ ኔሩ።
Share






