SKIP TO MAIN CONTENT

"መራሕቲ ሲሪላንካ ካብ ስልጣኖም ክሳብ ዝገድፉ ካብ መንበሪ'ቲ ፕረሲደንትን ቀ/ሚኒስተርን ኣይንወጽእን።" ህዝቢ

NACA Feature
People take a look at and a dip in a swimming pool at the President's palace in Colombo, Sri Lanka, Source: EPA

ኣብ ሲሪላንካ ብደረጃ ሃገር ህዝባዊ ተቓውሞ ምስ ተላዕለ ፡ ናይ ፕረዚደንት ስሪላንካን ቀዳማይ ሚኒስተሩን ፡ እቲ ናይ ውልቂ መንበሪኦምን በቶም ተቓወምቲ ተወሪሩ ናይቲ ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ዝነበረ መሐንበሲ ኣትዮም ሓምቢሶም ። እዚ ቁጥዓ ህዝቢ ዘበገሶ ኣብዚ ሰሙን እዚ ክልቲኦም ስልጣኖም ከረክቡ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብታ ብቕልውላው እትሕመስ ዘላ ሃገር ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ህዝባዊ ናዕቢ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ስሪላንካ ካብ ስልጣኖም ዓልይዎም ኣሎ። እቶም ሰልፈኛታትን ፕረዚደንት ጎታባያ ራጃፓክሳ ዝነበሮ ወግዓዊ መንበሪ ቤት ብሓይሊ ድሕሪ ምዕናው ፡ ነቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ራኒል ዊክረምሚንግሀ ብሓዊ ኣንዲዶሞ። ስሪላንካ ልዕሊ 51 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ግዳማዊ ዕዳ ተሸሚማ ንህጂ ዘድልዩ መሰረታዊ ቀረባት ክትዕድግ ኣይከኣለትን። ሕጽረት መግቢን ነዳዲን ዝፈጠሮ ቅልውላው መራሕቲ እታ ሃገር ህዝቢ ከጓይዮምን ቤተ መንግስቶም ክውረርን ኪኢሉ ኣሎ። ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ፓርትታት ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ኣኼባ ይገብሩ ኣለው ተቓወምቲ ግን ክልቲኦም ሰባት ብወግዒ ካብ መንግስቲ ብፍቓዶም ክሳብ ዝወጹ ኣይንሓድጎምን ይብሉ ኣለዉ።

Published

By Essam Al-Ghalib

Presented by Beyene Semere

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ኣብ ሲሪላንካ ብደረጃ ሃገር ህዝባዊ ተቓውሞ ምስ ተላዕለ ፡ ናይ ፕረዚደንት ስሪላንካን ቀዳማይ ሚኒስተሩን ፡ እቲ ናይ ውልቂ መንበሪኦምን በቶም ተቓወምቲ ተወሪሩ ናይቲ ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ዝነበረ መሐንበሲ ኣትዮም ሓምቢሶም ። እዚ ቁጥዓ ህዝቢ ዘበገሶ ኣብዚ ሰሙን እዚ ክልቲኦም ስልጣኖም ከረክቡ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብታ ብቕልውላው እትሕመስ ዘላ ሃገር ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ህዝባዊ ናዕቢ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ስሪላንካ ካብ ስልጣኖም ዓልይዎም ኣሎ። እቶም ሰልፈኛታትን ፕረዚደንት ጎታባያ ራጃፓክሳ ዝነበሮ ወግዓዊ መንበሪ ቤት ብሓይሊ ድሕሪ ምዕናው ፡ ነቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ራኒል ዊክረምሚንግሀ ብሓዊ ኣንዲዶሞ። ስሪላንካ ልዕሊ 51 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ግዳማዊ ዕዳ ተሸሚማ ንህጂ ዘድልዩ መሰረታዊ ቀረባት ክትዕድግ ኣይከኣለትን። ሕጽረት መግቢን ነዳዲን ዝፈጠሮ ቅልውላው መራሕቲ እታ ሃገር ህዝቢ ከጓይዮምን ቤተ መንግስቶም ክውረርን ኪኢሉ ኣሎ። ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ፓርትታት ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ኣኼባ ይገብሩ ኣለው ተቓወምቲ ግን ክልቲኦም ሰባት ብወግዒ ካብ መንግስቲ ብፍቓዶም ክሳብ ዝወጹ ኣይንሓድጎምን ይብሉ ኣለዉ።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now