ናይቲ ካብ በረኻታት ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ኤርትራን ሚልሺያ ኣምሓራን ዝዋጋእ ዘሎ መንግስቲ ክልል ትግራይ መራሒ ዶ/ር ደብረጽዮን ሎሚ ብተሌፎን ምስ ትግራይ መድያ ሃውስ ቃለ መሕትት ጌሩ ኣሎ። ንሱ ህዝቢ ትግራይ “ንጸላእትኻ ደምሲስካ መሰል ዓርሰ ዉሳኔኻ ንምትግባር ታሪኽ ዓዲሉካ ኣሎ።” ብምባል ነቲ ዘይተርፍ ዓወት ዝበሎ ቃልሲ ትግራይ ንኽዕወት ዓቕሚ ዘለዎ ኩሉ ክኸትትን ዘየድሊ ሓበሬታ ከይዝርጋሕን ጸዊዑ። ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ እየ እንተበለኳ ከም ብሓድሽ ንወረራ ይዳሎ ከምዘሎ ብምግላጽ ዶ/ር ደብረጽዮን “እቲ ኣብ ትግራይ ዝረግፍ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ንኸንቱ ዕላማ ምዃኑ ተረዲኡ፡ ንዳግማይ በደል ከይዳሎን ህዝቢን መንግስቲን ትግራይ ናብ ዝደለዮ ክሰዶ ከምዝኽእል” ብምፍላጥ ኢዱ ክህብ ጻዊዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። እዚ ጸብጻብ ኣብ ትግራይ መዲያ ሃውስ ካብ ዝቐረበ ትሕዝቶ ከምዝኾነ ክንገልጽ ንፈቱ።
Share






