ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥቅምቲ 2022)

Newsall.jpg

SBS Tigrinya Live full podcast Credit: Getty Images

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥቅምቲ 2022) መንግስቲ ትግራይ ንሕብረት ኣፍሪካ ብዛዕባ’ቲ ዝርርብ ሰላም ዝምልከት መብርሂ ክህቦ ሓቲቱ፣ ፍርቂ ብጽሒት ዕደና ፖታሽ ኤርትራ ይሽየጥ ከም ዘሎ ተገሊጹ፣ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ንኻልኣይ ግዜ ብዝተፈጽ መጥቃዕቲ ኣየር፡ 65 ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም፣ ኢትዮጵያ ኣሲራቶ ዝጸንሐት ኤርትራዊ ዘይሕጋዊ ኣዘዋዋሪ ሰብ ንሆላንድ ኣረኪባቶ ዝብሉ ሓደስቲ ዜናታት ጋዜጠኛ ሬድዮ ፐርሲቫል ማባሳ ኣብ ማእከላይ ከተማ ማኒላ ድሕሪ ምቕታሉ ስግኣታት ብዛዕባ ነጻነት ፕረስን ድሕነት ጋዜጠኛታትን ኣብ ፊሊፒንስ ኣልዒሎም ኣለዉ። ንሱ ሶኑይ ምሸት ጥይት ተተኲስዎ መይቱ፣ ቀታሊ ንምፍላጥ ገበናዊ መርመራታት ተበጊሶም ኣለዉ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ ትግራይ ምስዝኸይድ ዘሎ ኲናት ተተሓሓዙ ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያናት ኤርትራ ነቲ ኵናት ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብ ዉሽጢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ነዚ ዘሎ ኣዕናዊ ኩነታት ዝኹንን መግለጺ የለን። ኣገልጋሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቀሺ ዮናስ ነዚ መበገሲ ብምግባር እታ ቤተ ክርስትያን ክትገብሮ ትኽእል እንታይ ምዃኑን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሕቶታት መሊሱልና ኣሎ። ኣልኮል ኣብ ኣውስትራሊያ ማሕበራዊ ህይወት ብዙሓት ሰባት ይጸሉ። ሕሉፍ መጠን ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ ሰባት ንርእሶምን ንኻልኦትን ኣብ ሓደጋ የእትዉ። ንፈትዎም ሰባት ምስ ዝኾኑ’ኸ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ መደብና ንድህስሶ



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥቅምቲ 2022) | SBS Tigrinya