Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ቀጥታ ምልኡእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (15 ሰነ 2026)

SBS Tigrinya news

ን ሎሚ ሰኑይ 15 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና;


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS



Share this with family and friends


ን ሎሚ ሰኑይ 15 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና;


ን ሎሚ ሰኑይ 15 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም።

ጋዜጠኛታት በርሃን እስማዒልን ኣሕመድ ማሕሙድን ኣብ ናይ ኮሚኒቲ ራዲዮ 3 CR ኣብ ማሕበረሰብ ብዝገበርዎ ጽልዋ "ጽልዋ ኣብ ማሕበረሰብ" ናይ 2026 ተሰለምቲ ክኾኑ ኪኢሎም ኣለዉ። ብዛዕባ ዝተዋህቦም ሽልማትን ምኽንያት መሸለሚኦምን ዝተገብረ ዕላል ኣለና። ናይቲ ወግዒ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ሎሚ ክቐርብ እዩ።

ኣብዚ ናይ 2026 ዋንጫ ዓለም ፊፋ ዝካየደሉ ዘሎ ብቐጻሊ ነቕርቦ ጸብጻብ ሎሚ’ውን ኣለና፡ ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ (ሶከሩስ) ናይ 2026 ጎስጓሳ ንዋንጫ ዓለም ፊፋ ብዓወት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ካብ’ተን ሓያላት ተቐናቐንቲ ብምምዝጋብ ክትከፍቶ’ንከላ ሓሙሽተ ግዜ ሻምፒዮን ዝኾነት ብራዚል ግን ትጽቢት ዘይተገብረሉ ምስ ሞሮኮ ማዕረ ወጺኣ። ነዚ ኢብራሂም ርእይዎ ኣሎ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡

መበል 13 ዓመታዊ ፈስቲቫል ኮለጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ፡ ተሳሊጡ።

ናይ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብ3 ዕፅፊ ዘዕቢ ንኡስ ጣብያ ተመሪቑ።

ኤርትራ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ እተዛበዐ ሓበሬታ ዝተሰረተ ፕሮፓጋንዳ ይዝርግሕ ኣሎ ክትብል ከሲሳ።

CPJ ሓንቲ ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ ካብ ትግራይ ጸብጻብ ኣዳልያ ብዝብል ንዘባረሩዋ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኮኒኑ።

ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ንፈለማ ወግዓዊ ዑደት ናብ እስራኤል ኣትዩ፤ ኣብ እየሩሳሌም ኤምባሲ ክኸፍት እዩ።

 

ኣርእስታት ዜና፥

ሚኒስተር ጥዕና ፌደራል ማርክ በትለር ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገራዊ መድሕን ስንክልና (NDIS) ተገይሩ ንዘሎ ለውጢ ዝምልከት እማመታት ፡ ዝቐርብ ዘሎ ስክፍታ ኣፍልጦ ከምዝህቦ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ብዛዕባ እተገብረ ስምምዕ ንኺመያየጡ ናይ ጸጥታ ካቢነኡ ኸእክቦም እዩ ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊ ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ቶኒ ፖፖቪች ፡ ኣውስትራልያ ንቱርኪየ 2ብ0 ብምስዕራ ኣዝዩ ከም ዝሕበን ገሊጹ ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now