SKIP TO MAIN CONTENT

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ነሓሰ 2024)

on the studio with beye.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 01 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ዕላል ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ ኣብዚ ክፋል ብዛዕባ ኣብ መጽሓፉ ዝርከባ ግጥምታት ኣዕሊሉ ኣሎ። ሎሚ ካል ኣይ ክፋሉ ከነቕቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ኲናት ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ዘወንን ሕጊ ኣጽዲቑ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ‘ጸለመ’ዩ’ ዝብል ምላሽ ተዋሂቡዎ። ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ንዝኣወጀት ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ ተመዲቡ። ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣጋር መዓልታዊ ነቲ ብእግሪ ናይ ምጉዓዝ ሕጊ ብዘይምፍላጥ ሕጊ የፍርሱ ። እዚ መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእልን ሓሓሊፉ'ውን ሓደጋ የስዕብን፡ ነዚ ዝምልከት ሕግታት ተጓዓዝቲ ኣጋር ዝብል ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር ምክልኻል ኣውስትራሊያ ፡ ድሕሪ ቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነታት ናብ ዘይተደልየ ኩነታት ከይዓርግ መጠንቀቕታ ሂቡ ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቺካጎ ምስ ምሕበር ጋዜጠኛታት ጸለምቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ፡ ናይ ካማላ ሃሪስ ዉርሻዊ ዘርኣ ኣብ ሕቶ ምስ ኣእተዎ ኩነታት ናብ ተጻባኢ ኲነት ተቐይሩ። ኣል-ጀዚራ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ኣብ እስራኤል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ክልተ ካብ ጋዜጠኛታቱ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ። ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ካብ ፈተነ ቅትለት ንዋራ ተሪፉ ተባሂሉ። ኢትዮጵያ መጠን ሸርፊ ባጤራኣ ብዕዳጋ ክውሰን ድሕሪ ምውሳኑ፡ መጠን ሸርፊ ብር ብመንጽር ዶላር ሰማይ ዓሪጉ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now