ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ሓምለ 2025)

on the studio with beye.jpg

ን ሎሚ 30 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ትግራይ ብጉዳይ ግዝኣት፣ ተመዛበልቲ ህወሓትን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ከም ዝዛተ ኣፍሊጡ። ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ 39 ሃገራት ሕሱም ድኽነት ብቕልጡፍ ይውስኽ ከምዘሎ ገሊጹ። ድሕሪ ምእጋድ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎኣ 18 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ካብታ ሃገር ወጺአን ተባሂሉ። ኣብ ዛላምበሳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞትን መቑሰልትን ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። ኣብ ምዕራብ ጎንደር ብውሕዱ 16 መራሕቲ መካይን ኣብ ሓደ መዓልቲ ተቐቲሎም። ዕላል ብዛዕባ ማሰን መልቀስን ምስ ኣርቲስት ኣስገዶም ተወልደ፡፣ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፐኒ ዎንግ ምስ ማርኮ ሩቢዮ ንምዝርራብ ናብ ዋሽንግተን ኣምሪሓ.. ** ሓለቓ ሰራዊት ሰራዊት ኢራን ፡ እስራኤል ነቲ 12 መዓልቲ ዝቐጸለ ውግእ ደው እኳ እንተ ኣበለቶ ፡ እስራኤል በቲ ስምምዕ ከም ዘይትቕየድ ገሊጹ። ** ናሆም ዘርኣይን ሞናሊዛ ኣርኣያን ኣብ ኤርትራ ተክለ ኣለማዮን ሃፍቱ ረዳን ኣብ ኢትዮጵያ ሻምፒዮናታት ቅድድም ብሽግለታ ኮይኖም፡ ሲፋን ሓሰን ናብ ሲድኒ ክትመጽእ'ያ፣


Check out our podcast collection here


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now