ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ግንቦት 2024)

Daily News SBS Tigrinya

Source: Getty

ንሎሚ ሓሙስ 02 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ብምኽንያት እዚ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝጸምዎ ዘለዉ ሰሙን ሕማማት ኣመልኪትና ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መልበርን ምስ ሓላፊ ስብከተ ወንጌል መጋቤ ሃዲስ ብሩክ ተስፋይ ዝገበርናዮ ጻንሒት ፡ ድሕሪ ዜና ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ናይ ብሕቲ ኢንሹራንስ ጥዕና የዋጽእ ዶ፧ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ከነቕርብ ኢና። ሉኡኽልና ዝሰደደልና ብዛዕባ ጉዳይ ደቡብ ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2016 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ። ዝብል እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራልያ ኣብ 2020 ክልተ ህንዳውያን ሰለይቲ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ምስ ተፈልጠ ፡ ኣውስትራሊያ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ምትእትታው ኣብ ስግኣት ከም ዘላ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ገሊጹ። ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ፡ እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ናይ ምፍታሕ መስርሕ ፡ ቀዳምነት ከም ዝህቦ ገሊጹ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ግንቦት 2024) | SBS Tigrinya