ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2026)

SBS Tigrinya news

Source: Getty

ን ሎሚ ሓሙስ 2 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ናይ ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት መቐጸልታኡ ከነቕርብ ኢና። ፍሉይነት ብዙሕነት እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣውስትራሊያ: ብምንታይ ፍሉያት ከምዝኾኑን ዘንጸላልዎም ዘሎ ሓደጋ ምጽናትን። ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ፥ ኣብ ትግራይ ‘’ምችው ባይታ የለን’’ ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተኻየደ ንትግራይ ዝጥምት ዘተ ተቓውሞ ገጢምዎ። ኣብ ኤርትራ ኣባላት 38 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ጀሚሮም።ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ሓደ ካብ ኣካታዕቲ ዛዕባታት ኢዩ። ኢትዮጵያ ናብ ዕብየት ዘፈር መዓድን ኣብ እትገብሮ ዘላ ምስግጋር፡ ሰደድ ወርቂ ናብ 3.5 ቢልዮን ዶላር ወሰኹ ኣርእዩ። ንኢትዮጵያ ነዳዲ ንምቕራብ ውዕሊ ዝፈረማ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ነቲ ፍርያት ከቕርባ ከምዘይክእላ ተገሊጹ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ እዋን ቅልውላው ነዳዲ ህዱኣትን ንሓድሕዶም ዝተሓጋገዙን ክኾኑ ንምምሕጻን ሃገራዊ መግለጺ ኣቕሪቡ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ፡ ኣመሪካን ፕረዚደንትኣ ዶናልድ ትራምፕን ፡ ኢራን ነቲ ኲናት ደው ንምባልን ኣብ ዝግበር ዝዀነ ዝርርብ ንኽትኣቱ ቃና ቋንቋኦም ክቕይርዎ ከም ዘለዎም ተዛሪቡ ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ዒራቕ ድሕሪ 40 ዓመታት ካብ ፊፋ ምግላላ ኣብዝገበረኦ ግጥም ን ቦሊቪያ 2 ብ 1 ብምስዓራ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢራቓውያን ሓጎሶም ገሊጾም።


Check out our podcast collection here


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now