ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሚያዝያ 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሰኑይ 03 ሚያዝያ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ናይ ሓባር ኢፍጣር ኣብ ኖርዝ መልበርን መአከቢ ኣዳራሽ ማሕበረሰባት ብዕለት 01 ሚያዝያ 2023 ጌሮም ነይሮም፡ ኣብቲ ቦታ ተረኺብና ተሳተፍቲን ኣወሃድቲ ኣቲ መደብን ብዛዕባ’ቲ ምትእኽኻብ ናይ ሓባር ኢፍጣር ዝሃቡና ጦብላሕታ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ዕዮታት ኣሳሊጡ። መንግስቲ ኦሮምያ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ደገፍ ክገብር ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ መዝነት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ዝድግፉን ዝቃወሙን ሰልፍታት ተኻይዶም። ትካል ዕደና ቻይና ሲሹዋን፣ 50% ዕደና ዳናካሊ ዓዲጉ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካብ ዝርእዮም ኣርእስታት ዜና ስፖርት፥ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት * ቅድድም ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ኮትዲቯር ቅርጹ እናሓዘ ይመጽእ፣ ሽዱሽተ ሃገራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ መዓልታት ድሕሪ ዝተኻየዱ መጻረዪ ግጥማት ናብ’ቲ ውራይ ምሕላፈን ኣረጋጊጸን፣ * ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ መወዳእትኡ ራብዓይ ተርታ ከተውሕስ ምዃና ከተረጋግጽ ኣይከኣለትን፣ * ኣብ’ዚ ሰሙን ክልተ ኣሰልጠንቲ ምስጓጎም ወሲኽካ ኣብ’ዚ ወቕቲ 12 ዝኾኑ ኣሰልጠንቲ ጋንታታት ፒምየርሊግ ተሶጒጎም፣ ኣርእስታት ዜና፥ ** እቲ በዓል ራእይ መሪሕ ናይ መሬት መሰል ተኸራኻሪ ዩንፒንግ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣርነሀም ላንድ ዓሪፉ። ** ሰራዊት እስራኤል ፡ ካብ ሶርያ ናብታ ሃገር ዝሰገረት መንነታ ዘይተፈልጠ ነፋሪት ሃሪሙ ከምዘውረደ ገሊጹ ። ** ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ መወዳእትኡ ራብዓይ ተርታ ከተውሕስ ምዃና ከተረጋግጽ ኣይከኣለትን፣



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሚያዝያ 2023) | SBS Tigrinya