SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (03 ነሓሰ 2026)

SBS Tigrinya News
Source: Getty / Getty Images

ንሎሚ 03 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Skip to podcast episode content

ንሎሚ 03 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


ኢንጂኔር ክብሮም ወልዳይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስዛዘመ ካብ ኣስመራ ናብ ጂማ ብምኻድ ከባብያዊ ጥዕና ኣጽኒዑ። ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ኣብ ስራሕ ድሕሪ ምጽናሕን ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብ ሲቪል ኢንጂኔሪን ተመሪቑ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ፓሲፊክ ንዓመታት ምስ ዩኒሴፍ ድሕሪ ምስራሕ ናብ ኣውስትራሊያ መጺኡ ብምሕደራ ማይ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ኣጽኒዑ። ኣብ ኣውስትራሊያ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሓት ተዋፊሩ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ላዕለዋይ ኪኢላ ምሕደራ ማይ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ኢንጂኔር ክብሮም ዝሓለፎም ናይ ትምህርቲን ስራሕን ጉዕዞ ልሙጽ ኣይኮነን ግና ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊሩ ሎሚ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ስራሕ ይርከብ። ንኻልኦት ተመክሮ ክኸውን ዝኽእል ጉዕዞ ትምህርቱን ስርሑን ኣካፊሉና ኣሎ።

ፊፋ ምስግጋር ናብ ውልቃዊ ዋንነት ዋንጫ ዓለም ብርቱዓት ተቓውሞታት ምስ ኣጋጠምዎ ገዲፍዎ። ፊፋ 20% ብርኪ ወይ ዋንነት ኣብ ዋንጫ ዓለም ናብ ብሕታውያን ኣውፈርቲ ዝሸይጥ ንግዳዊ ኢድ ወይ ጨንፈር ከቕውም እማመ ኣቕሪቡ ኔሩ።

 ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ካብ ዝሓዞም ኣርእስታት፡

ወከልቲ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዝባን ሑፃ ርክባት ከም ዘካየዱ ተገሊጹ።

ኣብ ሸረሪና መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ተወሊዑ ዝነበረ ውግእ ደው ከምዝበለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ጸብጺቡ። 8ይ ዋዕላ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን ተዛዚሙ።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

 ኣርእስታት ዜና፥

 

እቲ መንግስቲ ገይርዎ ዝጸንሐ ምጉዳል ግብሪ ኣብ ልዕሊይ ነዳዲ ኣብቂዑ ። እዚ ማለት ዋጋ ነዳዲ ብ17 ሳንቲም ኣብ ሊትሮ ክውስኽ ትጽቢት ይግበር ።

ዶናልድ ትራምፕ ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ክፍጸም ተወጢኑ ዝነበረ መጥቃዕትታት ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ ፣

እቲ  ፊፋ ንውልቀ ኢንቨስተራት ናይ ዋንጫ ዓለም ብርኪታት ንምሻጥ ዘውጽኦ ውጥን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ።

 

Check out our podcast collection here


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now