ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሰነ 2024)

ንሎሚ ሰኑይ 3 ሰነ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ስነ ጥበባዊ ሚካኤል ኣዶናይ፡ ብዝስእሎ ስእልታት ዝና ዘትረፈ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ልዕሊ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ'ውን እዩ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን ብዛዕባ ካብ 1965 ክሳብ 1989 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ኣብ ቆሓይን ዝነበረ ኩነታት እትገልጽ መጽሓፉ "መሳኹቲ ማይምነ" ዝምልከት ብተወላዶ ቆሓይን ኣብ ካልእ መዲያ ርእይቶ ክወሃብ ቀንዩ። ብዛዕባ'ቲ ዝተዋህበ ርእይቶን ዕላማ መጽሓፉን ብዝምልከት ዝገበርናዮ ዘተ ቀዳማይ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ህወሓት ዳግም ሕጋዊ ኣፍልጦ ክረክብ ዘኽእል መመሓየሺ ኣዋጅ ጸዲቝ ናብ ባይቶ ተመሪሑ። ኢትዮጵያ ካብ ናይ ኲናት ዕንወት ክትሓዊ 44 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድልያ ተገሊጹ። ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ ንሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ማእሰርቲ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ተገሊጹ ኣመሪካውያን ወተሃደራዊ ክኢላታት ምምካን ፈንጂ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም። ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ክቐርብ’ዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ሓደ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ጋዛ እትገብሮ መጥቃዕታት ደው ንምባል ዝወጸ ንድፊ ከም እተቐበለት ገሊጹ ። ኣውስትራሊያ ኣብ ቀረባ መጻኢ ምክልኻል ናይ ገንዘብ ደገፍ እንተዘይተረኺቡ ኣብ ሓጺር ግዜ መጥቃዕቲ እንተተፈጢሩ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ክዓቢ ኣይክእልን እዩ ። ተባሂሉ። መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ-ኣፍሪቃን ንፍስታፍ ናብ ደቡብ ኮርያ ኣትዮም። ሪያል ማድሪድ ንቦሩስያ ዶርትመንድ ስዒራ መበል 15 ጽዋዕ ሻምፒዮንስ ሊግ ክለባት ኤውሮጳ ክትዕወት’ንከላ ኣሰልጣኒ ካርሎ ኣንቸሎቲ ኸኣ ንሓምሻይ ግዚኡ ተዓዊቱ፣
Share