ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ሓምለ 2024)

on the Studio.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 4 ሓምለ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ፈለማ ንጥንታዊያን ወነንቲ ናይዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ብተወሳኺ ንጥንታውያን ወነንቲ ሎሚ ካብ ትሰምዕዎ ዘለኹምን ኩሎም መሬታትን ኣቦርጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣፍልጦ ንህብ። ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝትንትን ነባሪ ሃገረ ሽወደን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ ታሪኹን ዘካይዶም ንጥፈታትን ሰፊሕ ዕላል ኣካይድናሉ ኣለና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ካልኣይ ክፋል ዕላል ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝሰርሖም ስርሓት፡ ምስ መንነቱ ዝተኣሳሰር ዝገጥሞ ብድሆታትን ዝህቦ ምላሽን ገሊጹ ኣሎ። ሓድሽ ኣገባብ ሕክምና ንሕሙማት ካንሰር ይፍውስ: ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ሃደ መደብ ኣለና። ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ተዓቝቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ህይወቶምን ንብረቶምን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጾም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርኸብ ኤምባሲ ኣመሪካ ንሱዳናውያን፡ስደተኛታት ንምሕጋዝ ድልውነቱ ገሊጹ። ኣርእስታት ዜና፥ ሰኔተር ፋቲማ ፓይማን ኣብ ውሽጢ መዓልታት ካብ ሰልፊ ለበር ክትወጽእ ከምትኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበነዝ ኣሚቱ ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ተሓከምቲን ሰብሞያ ጥናዕናን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ። ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ሳልሳይ መድረኽ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ምውጽኡ ብብዙሓት ማዕከናት ዓለም ታሪኻዊ ፍጻመ ምዃኑ ጸብጺበን።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ሓምለ 2024) | SBS Tigrinya