ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ሓምለ 2024)

ንሎሚ ሓሙስ 4 ሓምለ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ፈለማ ንጥንታዊያን ወነንቲ ናይዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ብተወሳኺ ንጥንታውያን ወነንቲ ሎሚ ካብ ትሰምዕዎ ዘለኹምን ኩሎም መሬታትን ኣቦርጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣፍልጦ ንህብ። ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝትንትን ነባሪ ሃገረ ሽወደን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ ታሪኹን ዘካይዶም ንጥፈታትን ሰፊሕ ዕላል ኣካይድናሉ ኣለና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ካልኣይ ክፋል ዕላል ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝሰርሖም ስርሓት፡ ምስ መንነቱ ዝተኣሳሰር ዝገጥሞ ብድሆታትን ዝህቦ ምላሽን ገሊጹ ኣሎ። ሓድሽ ኣገባብ ሕክምና ንሕሙማት ካንሰር ይፍውስ: ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ሃደ መደብ ኣለና። ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ተዓቝቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ህይወቶምን ንብረቶምን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጾም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርኸብ ኤምባሲ ኣመሪካ ንሱዳናውያን፡ስደተኛታት ንምሕጋዝ ድልውነቱ ገሊጹ። ኣርእስታት ዜና፥ ሰኔተር ፋቲማ ፓይማን ኣብ ውሽጢ መዓልታት ካብ ሰልፊ ለበር ክትወጽእ ከምትኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበነዝ ኣሚቱ ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ተሓከምቲን ሰብሞያ ጥናዕናን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ። ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ሳልሳይ መድረኽ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ምውጽኡ ብብዙሓት ማዕከናት ዓለም ታሪኻዊ ፍጻመ ምዃኑ ጸብጺበን።
Share