Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE starting June 12 2026

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (04 ሰነ 2026)

SBS Tigrinya news

ን ሎሚ ሓሙስ 4 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ ትሕዝቶ መደብና፥


Published

Updated

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Share this with family and friends


ን ሎሚ ሓሙስ 4 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ ትሕዝቶ መደብና፥


ድሕሪ ዜና፡

ዳኒኤል ስዩም ምስ በዓልቲ ቤቱ ሶልያናን ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ወዶምን ፡ ኣብ 2016 ዓ/ም፡ ን ወለዱ ኣብ ናይ ቡን ሕርሸኦም ንምሕጋዝ፡ ካብ መልበርን ናብ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ እትርከብ ገጠር ኣገዮ ከይዶም። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ሃገረሰብ ናብራ ናብ መልበርን ተመሊሶም፡ ኣገዮ ኮፊ ዝተባህለ ካፌ፣ መቕለውን መከፋፈልን ቡን ዘጠቓልል ትካል ከፊቶም። ዳኒኤል፡ ብዛዕባ ምስ ቡን ዘለዎ ምትእስሳር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፃንሒትን ሞያኡን ኣውጊዑ ኣሎ። ቀዳማይ ክፋል ከነቕርብ ኢና።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡

ኤርትራ ምክትል ኣዶ-መንበር መበል 81 ሓፈሻዊ ጒባኤ ሕቡራት ሃገራት ኰይና ተመሪጻ።

ኤርትራ ለበዳ ኢቦላ ንምክልኻል ውጥን ከምዘውጽአ ኣፍሊጣ።

ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝተከአ መንግስቲ ትግራይ ንኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዚደንት ገይሩ።

ተዓዘብቲ መረጻ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ልኡኻት ፖለቲካዊ ልዝብ ክጅምር ጸዊዖም።

ሕብረት ኣውሮጳን እቶም ተዓዘብትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምርጫ ከም ዝቕበሉዎን "ሰላማዊ" ምንባሩን ብምግላጽ ኣብቶም ዝተረፉ ውን ክካየድ ጸዊዖም።

ክልተ ተቓወምቲ ፓርትታት ድማ ንከይዲ እቲ መረፃ ነቒፎም።

ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ "ክሳብ መዓዝ" ዝብል ሓዘን ከም ዝፈጠረ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብጹእ ኣቡነ ማቲያስ ተዛሪቦም።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

 

ኣርእስታት ዜና፥

ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ኤልኒኖ ስለ ዝጅምር፡ ዓለም ሕማቕ ኵነታት ኣየር ክመጽእ ምዃኑን ንኽትዳሎን መጠንቀቕታ ቀሪቡ ።

ሓላፊ ቤት ምኽሪ ኢንዳስትሪ መኻይን [ፋካ] ፡ መጠን ብዝሒ መሸጣ ናይ ኤለትሪክ መኻይን ከም ዘገረሞ ገሊጹ ።

ናይ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ተጻዋቲት ቴኒስ ኣሪና ሳባሌንካ ድሕሪ እቲ ኣብ ሮላንድ ጋሮስ ዝተገብረ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ግጥም ካብ ጸወታ ፍረንች ኦፐን ተገሊፋ።

Check out our podcast collection here


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now