ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ለካቲት 2026)

SBS Daily News

Source: SBS

ን ሎሚ 05 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ብምዕባይ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ኣብቂዑ ኣሎ፣ እዚ ብዛዕባ መንግስቲ ዘውጽኦ ወጻኢታት ወይ ብሕታዊ ጠለብ ፡ ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ ምጉዳል ዝቕባበ ኣጋዲድዎ ዝብል ሓያል ፖለቲካዊ ክትዕ ኣለዓዒሉ ኣሎ። ትረዠረር ነቲ ባጀት ዝተከላኸለሉ ኮይኑ ናይዚ ወሰኽ ዝቕባበ ንደጋዊ ጸቕጥታት ተሓታቲ ጌሩ። ሰልፊ ተቓዋምን ሰልፊ ግሪንስን ግን ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ፖሊሲ ኣገባብ ንመዓልታዊ ኣውስትራሊያዊያን ይቐጽዕ ከም ዘሎን ኣማራጺ ቊጠባዊ ፖሊስን ዕሽሽ ይብሃል ከምዘሎ ይማጐቱ ። ምስ ባህልን ሕብረተሰብን ተታሒዙ ምስ ጸሓፊ መንገሻ ሃብተ ዝገበርናዮ ዕላል ኣለና። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝግብር መስርሕ ጥንሲ ወይ IVF ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ክንርእይ ኢና። ኣርእስታት ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ኣባላት ጉጅለ ምክትታል ትግበራ ስምምዕነት ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦታት ፕሪቶርያ ዝኾነ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ መቐለ ኣትዮም ። መንግስቲ ኢትዮጵያ መሳልፍቱ ንዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብገበናት ከሲሱ። ኤርትራ ብወገና ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሽልማት ከም ዝተውሃባ ኣዘኻኺራ። ኣብቶም ብ"ፋይላት ኤፒስተይን" ዝፍለጡ ብዙሕ ምስጢራት ዝሓዙ ምዃኖም ዝእመነሎም ሰነዳት ዝተረኽበ ጉዳይ ኤርትራ ኢትዮጵያን ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ። ኤርትራዊ ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ዓሪፉ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሜሊንዳ ፈረንሳይ ጌትስ እቲ ናይ ቀደም በዓል ቤታ ዝነበረ ቢል ጌትስ ኣብቲ ናይ ኤፕስቲን ፋይላት ንዝወጸ ከቢድ ክሲ መልሲ ክወሃበሉ የድልዮ እዩ ትብል ። ፖሊስ መልበርን ፡ ንሓደ ኰተቴ ቅድሚ ብመኪና ምርጋጾም ብሓይሊ ዝሃረምም ዝሃደሙ ሰለስተ ሰባት ክሕዙ የናድዩ ኣለዉ ። ወስተርን ሲድኒ ነታ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኤ-ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ትመርሕ ዘላ መልበርን ሲቲ 1-0 ስዒራታ።


Check out our podcast collection here


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now