ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 መስከረም 2024)

World - Tigrinya.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 5 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወኒ ኣለዎ ብዝብል ምስ ሶማሌላንድ ዝፈረመቶ መሰማምዒ ዉዕል ስዒቡ፡ ምስ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ኣላ፡ ግብጺውን ምስ ምግዳብ ኒል ተተሓሒዙ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ምስሕሓብ ዳግም ኣትያ ኣላ፡ እዚ ኩነታት ነቲ ዞባ ከመይ ክጸልዎ እዩ። ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ሖቲ ኣንጻር ምዕራባዊያን መራኽብ ንግዲ ዝገብሮ ዘሎ ግጭት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ ኣብ ባሕሪታት ኤርትራ እንታይ ጽልዋ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፧ ጅቡቲ ኢትዮጵያ ባዕላ ከተመሓድሮ ትኽእል ወደብ ክትህባ ሓሳብ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ቦታ ኣብ መንጎ ማያት ኤርትራን ጂቡቲን ዝርከብዩ ዝበሃል፡ ብዛዕባዚ ኩነታት ዝምዕብል ዘሎ፡ ብሓፈሻ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢኡን ካብ ቀደም ብዝተፈልየ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታትን ምስዚ ዝተሓሓዝን ዝምልከት ካብ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ቺፍ ፓውሎ ኣንቶኒዮ ተንቲኑልና ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣንጸላልዩ ዘሎ ወጥሪ ተመያይጦም ፍሉይ ልኡኽ ሑቡራት ኣሜሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምርሕ ምዃኑ ተገሊጹ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይበርር ከም ዘይተኸልከለ ገሊጹ። ዝብሉ ጸብጻባት ልኡኽና ዝሓዘውን ኣለና። ሞባይል ምጥቃም ሕማም ካንሰር የስዕብ ድዩ፧ ነዚ ዝምልከት ተመራመርቲ ዝበጽሕዎ መደምደምታ ኣሎ ክትሰምዕዎ ኢኹም። ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ንጥዕና ክንክን ስኒ ዝምልከት ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ። ኣርእስታት ዜና፥ ካብ ቓዛ ንዝሃደሙ ፍልስጤማውያን ንምዕጋት ዝውሰድ ዘሎ ብዝተሓሓዝ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ቪዛ መስርሕ ተነቒፉ ። ኣብ ጋዛ ተኹሲ ደው ንምባል ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ገሊጹ ። ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መራሕቲ ዝሳተፉሉ ዋዕላ ቻይና ኣፍሪቃ ጀሚሩ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 መስከረም 2024) | SBS Tigrinya