ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (06 ሚያዝያ 2023)
ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 6 ሚያዝያ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብዚ ወርሒ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ናይ ረመዳን ጾም ኣለዉ፡ ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ኣብ እዋን ረመዳንን ዒድን ዝዳሎ መግቢን መስተን ምስኡ ዝኸይድ ፍቕርን ምትሕውዋስን ኣብ ዓዲን ኣብ ወጻእን ከመይ ከምዝመስል ምስ ወ/ሮ ሰሚራ መሓመድ ዕላል ኣካይድና ኣለና።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ። ብፕረዝደነት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓዱሽ ካብኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብቲ ነባር ወግዓዊ ርኽክብ ስልጣን ኣሳሊጡ። ፈረንሳይ ብትግራይ ዝተጎድኡ ዩኒቨርስታትን ሓድግታትን ዳግም ንምህናጽ ከም ትደሊ ገሊፃ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣምሓራ ማእኸሎም ዝገበሩ ን ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ከጥቅዑ ዝተንቀሳቐሱ ኣካላት ከም ዝኣሰረ ኣፍሊጡ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ መቕጻዕቲ እንተ መጺእኩም ብኸመይ ክትከፍልዎ ከምዘለኩምን ብዘይምኽፋልኩም ክመጽእ ካብ ዝኽእል ተወሳኺ መቕጻዕቲ ንምድሓን ዝሕግዘኩም ሓበሬታ፥ ዝምልከት እዩ ክኸውን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ሓድሽ ካቢነ መንግስቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ታሪኽ ብኽምዝገብ ዝኽእል ቃለ ማሕላ ፈጺሙ። ** ፖሊስ እስራኤል ነቲ ኣብ ጥንታዊት ከተማ የሩሳሌም ዝርከብ መስጊድ ኣል-ኣቅሳ ጥሒሱ ድሕሪ ምእታዉ ፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ተቓውሞታት ተላዒሉ ። ** ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።
Share