ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (06 ሚያዝያ 2026)

Source: Getty / Getty Images
ን ሎሚ ሰኑይ 06 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ቀዳማይ ክፋል ከነቕርብ ኢና። መንግስቲ መወዓውዒታት ቁማር ዝኽልክል ሕጊ ኣውጺኡ፣ ኣኻሊ ድዩ ግን፧።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ "ልዕሊ 700 ኤርትራውያንኣብ ከተማ ሸራሮ ተረኺቦም" መንግስታዊ ቴሌቪዥን ዘመነ ስልጣኑ ዝዛዘም ዘሎ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቕኒዑ ኣብ ዓሰብ - ንኣባላት ባይቶን ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ኣስትምህሮ ተዋሂቡ ቦርድ ምርጫ ን7ይ ሃገራዊ ምርጫ ዝሓዞ ግዜ ምዝገባ መረጽቲ ኣናዊሑ። ስዑዲ ዓረብ፡ ንወደብ በርበራ ሶማሊላንድ ሓዊሱ ምስ 17 ዞባዊን ኣህጉራዊን መባጽሖ ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ባሕሪ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረት ተገሊጹ ኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ ናይ በዓል ትንሳኤ ሰንበት መልእኽቶም ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚግበር ዘሎ ኲናት ኮኒኖም ። ሚኒስተር ባህሊ ኢራን ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ "ዘይርጉእን ዝተሓዋወሶ ፍጥረትን" ብምባል ፡ ነቲ እቲ ፕረሲደንት ዘፈራርሖ መልሲ ሂብሉ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት በዓል ትንሳኤ ኣብ ጽርግያታት ኣውስትራሊያ ሞት ዘስዓበ ከቢድ ሓደጋ መኻይንድሕሪ ምግጣሙ፡ ተሽከርከርቲ ኣብ መገዲ ኺጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ይውሃብ ኣሎ ።
Share



