SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥሪ 2025)

on the studio with beye.jpg

ን ሎሚ 6 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ "ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድኪምካ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ምግባር ጥፍኣት እዩ።" ክብል ምክትል ፕሬዝደንት ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ብሓባር ዝሰርሓሉ ኪዳን ዕላዊ ኣቚመን። ኣህጉራዊ ዋዕላ ንመጽናዕትታት ኤርትራ፡ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝረአ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝትንከፉ ክልላት 80 ሽሕ ነበርቲ ከውጽእ ምዃኑ መንግስቲ ኣፍሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ፡ ነቲ ከምባሓድሽ ተባሪዑ ዘሎ ሓዊ ጫካ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ንምውዓል ይሰርሑ ኣለዉ ፣ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ እሳተ ጎመራ ዝኽሰተሉ ዘሎ ከባቢታት ይግዕዙ ኣለዉ: ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ፡ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ሰለስተ ደርቢ ዝነበሮ ህንጻ ድሕሪ ምድምሳሱ ፡ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝኣኽሉ ሰባት ኣባላት ዝነበርዋ ሓንቲ ስድራ ጠፊኦም ፡ ወይ ሞይቶም ከይኰኑ ተሰጊኡ ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ን ሎሚ 6 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ "ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድኪምካ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ምግባር ጥፍኣት እዩ።" ክብል ምክትል ፕሬዝደንት ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ብሓባር ዝሰርሓሉ ኪዳን ዕላዊ ኣቚመን። ኣህጉራዊ ዋዕላ ንመጽናዕትታት ኤርትራ፡ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝረአ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝትንከፉ ክልላት 80 ሽሕ ነበርቲ ከውጽእ ምዃኑ መንግስቲ ኣፍሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ፡ ነቲ ከምባሓድሽ ተባሪዑ ዘሎ ሓዊ ጫካ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ንምውዓል ይሰርሑ ኣለዉ ፣ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ እሳተ ጎመራ ዝኽሰተሉ ዘሎ ከባቢታት ይግዕዙ ኣለዉ: ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ፡ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ሰለስተ ደርቢ ዝነበሮ ህንጻ ድሕሪ ምድምሳሱ ፡ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝኣኽሉ ሰባት ኣባላት ዝነበርዋ ሓንቲ ስድራ ጠፊኦም ፡ ወይ ሞይቶም ከይኰኑ ተሰጊኡ ።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now