ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ሰነ 2024)

ንሎሚ ሓሙስ 6 ሰነ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምጽናት ዓሌት ምፍጻሙ ዝድምድም መጽናዕቲ ኣብ ኣሜሪካ ብዝርከብ ኒው ላይንስ ኢንስቲትዩት ተዘርጊሑ። ናብ ደቡብ ኮርያ ዘቕነዐ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ 1 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ምስታ መንግስቲ እታ ሃገር ፈጺሙ። ብፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ - ኣብ ደቡብ ኮሪያ፡ብወገኑ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከም ዝተራኸበ ተገሊጹ። ዝብሉ ጸብጻባት ልኡኽና እዮም። ስነ ጥበባዊ ሚካኤል ኣዶናይ፡ ብዝስእሎ ስእልታት ዝና ዘትረፈ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ልዕሊ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ'ውን እዩ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን ብዛዕባ ካብ 1965 ክሳብ 1989 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ኣብ ቆሓይን ዝነበረ ኩነታት እትገልጽ መጽሓፉ "መሳኹቲ ማይምነ" ዝምልከት ብተወላዶ ቆሓይን ኣብ ካልእ መዲያ ርእይቶ ክወሃብ ቀንዩ። ብዛዕባ'ቲ ዝተዋህበ ርእይቶን ዕላማ መጽሓፉን ብዝምልከት ምስ ረዲዮ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ጀሚርናዮ ዝነበርና ሎሚ ክዛዘም እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ቦታ ስራሕ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ንምክልኻል ዝወጹ ሕጊታት ኣለዉ ። ኣብ ስራሕ ሃይማኖታዊ ኣድልዎ እንተ ኣጋጢሙካ ፡ ኣማራጺታትካ ምፍላጥ ኣገዳሲ ብምዃኑ። ነዚ ዝምልከት መሰል ሃይማኖት ኣብ ቦታ ስራሕ ብኸመይ እዩ ዝኽበር? ብዝብል ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ ኣርእስታት ዜና፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ምዕራብ ባንክ ልዕሊ 500 ፍልስጤማውያን ከም እተቐትሉን ዳርጋ ርብዒ ካባታቶም ቈልዑ ከም ዝነበሩን ገሊጹ ። ሓደ ሰብ ኣብ ሜክሲኮ ናይ መጀመርያ ብናይ ኣዕዋፍ ጉንፋዕ ወይ bird flu. ከምዝሞተ ውዱብጥዕና ዓለም(WHO) ኣፍሊጡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህ.ወ.ሓ.ት. ዳግም ሕጋዊ ኣፍልጦ ክረክብ ዘኽእሎ ናይ ኣዋጅ መመሓየሺ ኣጽዲቑ። ኣውስትራሊያዊ ተጻዋታይ ትኒስ ባይታ Alex de Minaur, ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝግበር ዘሎ ጸወታት ፍረንች ኦፐን ናብ ፍርቂ ፍጫመ ንምብጻሕ ዝነበሮ ተስፋ ብጀርመናዊ Zverev.ተቖጽዩ።
Share