ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሕዳር 2022)

Live Podcast SBS Tigrinya

ናይ ሰኑይ 7 ሕዳር 2022 ምሉእ ሰዓት መደብ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ “ኣብ ካይሮ ዝግበር ዓለማዊ ዋዕላ ክሊማን ትጽቢታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ጸብጻብ ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታቶም፥ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ከቢድ ተቓውሞ ገጢሙዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ንኣፈታትሓ እቲ ዕጥቂ ዝምልከት ዝርርብ ኣብ ኬንያ ከም ዝካየድ ገሊጹ ኣሎ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንሓንቲ ካብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ዘሕድራ ከተማታት ኦሮምያ ዝኾነት ነቀምት ተቖጻጺሩ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ንክፍሊት 2% ካብ ዳያስፖራ ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺጉዎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ምስ ዶ/ር ሳላሕ ጂሚዕ ብዛዕባ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ክብሪ መነባብሮን ዝምልከት ዝገበርናዮ ካልኣይ ክፋል ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ትሕዝቶታትውን ። ካብ ኣርእስታት ዕለታዊ ዜና፥ ** መራሕቲ ዓለም ናይ ኮፕ-27 ዝካየድ ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ኣብ ግብጺ ጀሚሩ ** ኣውስትራሊያዊያን ኣብዚ ዓመት እዚ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ብዲጂታዊ ስርቂ ወይ ስካመራት ገንዘቦም ክስእኑ ተኽእሎ ከም ዘሎ ፡ ፈደራል መንግስቲ ኣጠንቂቑ ። ** ሓንቲ ናይ ተጓዓዝቲ መገዲ ኣየር ታንዛንያ፡ ኣብ ቀላይ ቪክቶርያ ጥሒላ ፡ እንተ ወሓደ 19 ሰባት ሞይቶም ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሕዳር 2022) | SBS Tigrinya