ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሚያዝያ 2024)

on the Studio.jpg

ንሎሚ ሰኑይ 8 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ ኣብ በልጅም ዝነብር ሰባኺ ወንጌል፣ ዘማራይ፣ ማሕበራዊን ዝምድናዊን ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘማኽርን ብኣካልን ብማሕበራዊ መድረኻትን ኣስተምህሮ ዝህብን’ዩ። ቅነ ፋሲካን ኣብ ኣውስትራልያ ምምጽኡን ምኽንያት ብምግባር ኣብ’ዚ ኣብ ስቱድዮ ኤስቢኤስ ዓዲምና ዕላል ኣካይድናሉ’ ኔርና። መቐጸልታ ናይቲ ዝተገብረ ዕላል ሎሚውን ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዙ ቢንግ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ተመያይጡ፡ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ብኤርትራ ብዙሕ ክፋሉ ዝተትሓዘ ወረዳ ጉለመኸዳ፡ ንካልኣይ ግዜ ዑደት ኣካይዱ። ዝብሉን ካልእ ኣርእስታት ዝሓዘን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ኣብ ቓዛ ንኣዋርሕ ዝኣክል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ ከም ዝሰሓበት ሓደ ወሃብ ቃል ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ ። ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ክብረ ወሰን ዝሰበረ ዉሕጅ ዝወረደ ጕድኣት ኣብዝግምገመሉ ዘሎ እቲ ወሓይዝ እናደኸመ ይኸይድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ፈረንሳ ኣብ ምሕላው ጸጥታ ኦሎምፒክስ ፓሪስ ንምሕጋዝ ወተሃደራት ካብ ካልኦት ሃገራት ክለኣኸላ ሓቲታ፣



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service