ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሚያዝያ 2024)

ንሎሚ ሰኑይ 8 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ ኣብ በልጅም ዝነብር ሰባኺ ወንጌል፣ ዘማራይ፣ ማሕበራዊን ዝምድናዊን ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘማኽርን ብኣካልን ብማሕበራዊ መድረኻትን ኣስተምህሮ ዝህብን’ዩ። ቅነ ፋሲካን ኣብ ኣውስትራልያ ምምጽኡን ምኽንያት ብምግባር ኣብ’ዚ ኣብ ስቱድዮ ኤስቢኤስ ዓዲምና ዕላል ኣካይድናሉ’ ኔርና። መቐጸልታ ናይቲ ዝተገብረ ዕላል ሎሚውን ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዙ ቢንግ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ተመያይጡ፡ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ብኤርትራ ብዙሕ ክፋሉ ዝተትሓዘ ወረዳ ጉለመኸዳ፡ ንካልኣይ ግዜ ዑደት ኣካይዱ። ዝብሉን ካልእ ኣርእስታት ዝሓዘን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ኣብ ቓዛ ንኣዋርሕ ዝኣክል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ ከም ዝሰሓበት ሓደ ወሃብ ቃል ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ ። ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ክብረ ወሰን ዝሰበረ ዉሕጅ ዝወረደ ጕድኣት ኣብዝግምገመሉ ዘሎ እቲ ወሓይዝ እናደኸመ ይኸይድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ፈረንሳ ኣብ ምሕላው ጸጥታ ኦሎምፒክስ ፓሪስ ንምሕጋዝ ወተሃደራት ካብ ካልኦት ሃገራት ክለኣኸላ ሓቲታ፣
Share