Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE starting June 12 2026

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (08 ሰነ 2026)

SBS Tigrinya news

ን ሎሚ ሰኑይ 8 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ናይ ሓደ ሰዓት ፕሮግራም።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Share this with family and friends


ን ሎሚ ሰኑይ 8 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ናይ ሓደ ሰዓት ፕሮግራም።


ን ሎሚ ሰኑይ 8 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ፡

ዳኒኤል ስዩም ምስ በዓልቲ ቤቱ ሶልያናን ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ወዶምን ፡ ኣብ 2016 ፡ ን ወለዱ ኣብ ናይ ቡን ሕርሸኦም ንምሕጋዝ፡ ካብ መልበርን ናብ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ እትርከብ ገጠር ኣገዮ ከይዶም። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ሃገረሰብ ናብራ ናብ መልበርን ተመሊሶም፡ ኣገዮ ኮፊ ዝተባህለ ካፌ፣ መቕለውን መከፋፈልን ቡን ዘጠቓልል ትካል ከፊቶም። ኣብ ከባቢ ኮሊንውድ ዝርከብ ኣገዮ ኮፊ ካብቶም ብኣፍሪቃውያን ዝውነኑ ፍሉጣት ካፌታት መልበርን ሓደ እዩ። ቡን ካብ ዘፍርዩ ሓረስቶት ዝተወለደ ዳኒኤል፡ ብዛዕባ ምስ ቡን ዘለዎ ምትእስሳር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፃንሒትን ሞያኡን ምስ ሃይሉ ሳህለ ኣውጊዑ ኣሎ። ናይቲ ወግዒ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ሎሚ ክቐርብ እዩ።

ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ክጅመር መዓልታት ተሪፍዎ ኣሎ፡ ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ምስቲ ዉድድራት ዝኸይድ ትሕዝቶታት ከነቕርብ ኢና። ንሎሚ ኣብ ሓድሽ ቁጠባ ኩዕሶ እግሪ ዋጋ ደገፍቲ ንዋንጫ ዓለም ክንደይ'ዩ፧ ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ትሕዝቶ ክቐርብ እዩ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ካይሮ ገይሹ።

ቀዳማይ ሚንስተርን ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ 'ፅምዶ' ክስታት ኣቕሪቦም።

ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ።

ሕብረት ኣፍሪካ ንጉዳይ ትግራይ ሓድሽ ፃዕርታት ሽምግልና ንምጅማር ውጥን ከምዘለዎ ኣመላኺቱ ። ኣብ ትግራይ ሓደ በዓል ሃብቲ ብዘዳለዎ መድረኽ 185 ብሉፃት መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርትን ተሸሊሞም።

 

 

ኣርእስታት ዜና፥

ናይ ቀደም ኣውስትራልያዊ ናይ ዓመትን ቀንዲ ተመራማሪ ስነ-ፍልጠትን ሪቻርድ ስኮልየር ድሕሪ እቲ ንነዊኅ እዋን ብመንሽሮ ሓንጎል ክገብሮ ዝጸንሐ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ኣብ 59 ዓመት ዕድሚኡ ሞይቱ።

ኣውስትራሊያ ቅድሚ እቲ ኣብ መዓልቲ ልደት ንጉስ ንደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ኣፍልጦ እኹል ክሳብ ዝኸውን ነዊሕ ጉዕዞ ተሪፉ ኣሎ ክትብል ጋቨርነር ጀነራል ገሊጻ።

ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ቅድድም ጉያ እግሪ ማራቶን፡ ናሆም ኤርምያስን ናዝሬት ወልዱን ተዓወትቲ ማራቶን ኣስመራ 2026 ኰይኖም።

 

Check out our podcast collection here


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now