SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ግንቦት 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሰኑይ 08 ግንቦት 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣብ ኤርትራ መጠን ሕውየት ሕማም ቲቢ ዝድለ ዓለማዊ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ተገሊጹ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ መራሒ መንግስቲ ጀርመን ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ዘትዩ። ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ከም ዝተኸልከሉ ገሊጾም። ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ተጋሩ ኣብ ማእከል ተቐርቂሮም ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ገሊጾም። ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዘለዉ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ 12 ሽሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ ። ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራሊያ ባጀት 2023-24 ሰሉስ 9 ግንቦት ከፍልጥ'ዩ። ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ/ትሬዠረር ጸቕጢ ዋጋ መነባብሮ ኣብ'ቶም ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ኣውስትራልያውያን፣ ምስ ወሰኽ ደሞዝ ንሰራሕተኛታት ምእላይ ዓበይትን፣ ሕስር ዝበለ ክፍሊት ንመእለዪ ህጻናትን ኣብ'ዚ ናይ ሕጂ በጀት ክሽፈኑ'ዮም ኢሉ። እንተኾነ ግን ምስ ምውሳኽ መጠን ዝቕባበን ክስጉሙ ዘይከኣሉ ዘተታት ብዛዕባ ፍታሕ መንበሪ ኣባይትን ሓገዝ ገዛ ክራይን፣ ትሬዠረር ጂም ቻልመርስ ኣብ ቅድሚኡ ከቢድ ስራሕ ይጽበዮ'ሎ።። ነዚ ዝምልከት ትንታነ ዜና ኣለና። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና፡ ትማሊ ዕለት 6 ግንቦት 2023 ነበርቲ ኲንስላንድ ኣንጻር እቶም ካብ መምበረ ፓትርያርክ ኣስመራ ዝተላእኩ ጳጳስ ባስልዮስ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ውዒሎም። ነባሪ እታ ከተማ ግና “ሓድነትና ክትዘርጉ መጺእኩም” ብምባል ይቃወም። ነዚ ብዝምልከት ምስ ተሳተፍቲ እቲ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ዝተገብረ ዝርርብ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ትሕዝቶን ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ናይ መነባብሮ ጸቕጥታት ንምቅላል ልዕሊ 14 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ክገብር እዩ ። ** ካብ ተዋጋእቲ ወገናት ሱዳን ዝመጹ ልኡኻት ነቲ ንሰለስተ ሰሙን ዝቐጸለ ግጭት ከኽትም ተስፋ ተገይርሉ ዘሎ ዝርርብ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዮም ። ** ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ከም ዝተኸልከሉ ገሊጾም።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now