SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (9 ጥሪ 2024)

Daily News SBS Tigrinya
Source: Getty

ን ሎሚ 9 ታሕሳስ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሎሚ ኣብ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ጆኖሳይድ ፣ህልቂት ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝዝከር ተገሊጹ። ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣቦወምበርነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ደገፍ ንምርካብን ንምምኽካርን ኣስመራ በጺሑ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ተኹሲ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። ሶማልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ከሲሳ። ብዛዕባዚ ኤርትራን ግብጽን ዝርርብ ከም ዘካየዳ ውን ተሰሚዑ ኣሎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ፡ ውድቀት ባሻር ኣል-ኣሳድ ፡ ነቶም ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ካብ መነባብርኦም እተመዛበሉ ሚልዮናት ስደተኛታት ናብ ዓዶም ክምለሱ ተስፋ ምዃኑ ገሊጹ። ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ሰራሕተኛታት ቅልውላው ዘቤታዊ ዓመጽ ኣጠንቂቖም። መንእሰይ Gout Gout ኣብ ኣትሌቲክስ ኣብ ናይ 200ሜ ናይ መወዳእታ ውድድር ካብ መንእሰይ ኡሰይን ቦልት ብዝቐልጠፈ ግዜ ብምዕዋቱ ንዓለም ኣገሪሙ ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ን ሎሚ 9 ታሕሳስ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሎሚ ኣብ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ጆኖሳይድ ፣ህልቂት ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝዝከር ተገሊጹ። ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣቦወምበርነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ደገፍ ንምርካብን ንምምኽካርን ኣስመራ በጺሑ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ተኹሲ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። ሶማልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ከሲሳ። ብዛዕባዚ ኤርትራን ግብጽን ዝርርብ ከም ዘካየዳ ውን ተሰሚዑ ኣሎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ፡ ውድቀት ባሻር ኣል-ኣሳድ ፡ ነቶም ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ካብ መነባብርኦም እተመዛበሉ ሚልዮናት ስደተኛታት ናብ ዓዶም ክምለሱ ተስፋ ምዃኑ ገሊጹ። ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ሰራሕተኛታት ቅልውላው ዘቤታዊ ዓመጽ ኣጠንቂቖም። መንእሰይ Gout Gout ኣብ ኣትሌቲክስ ኣብ ናይ 200ሜ ናይ መወዳእታ ውድድር ካብ መንእሰይ ኡሰይን ቦልት ብዝቐልጠፈ ግዜ ብምዕዋቱ ንዓለም ኣገሪሙ ።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now