ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ለካቲት 2026)

SBS Tigrinya news

Source: Getty

ን ሎሚ 09 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ዲሞክራሲን ብሕግታት ዝምእዘዝ ኣህጉራዊ ስርዓትን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ ክብል ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻብ 'ህዩማን ራይትስ ዎች' ኣፍሊጡ። ኣብ'ቲ ጸብጻብ ፍሉይ ኣትኩሮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን እቲ ኣህጉራዊ ኣካል 'ምብሕጓግ ሰብኣዊ መሰላታን' ኢሉ ኣብ ዝገለጾን ክገብር'ንከሎ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያ'ውን ቆላሕታ ገይሩ'ሎ። ኣውስትራልያ ትኽተሎም ፖሊሲታት ኢሚግሬሽንን ምድጓን መንእሰያትን ከም "ዝዓበዩ ድኽመታትን ውድቀታትን" ተባሂሎም ክዝርዘሩ'ንከለዉ ኣውስትራልያ ድማ ዓንቀጽ ወይ ድንጋገ ሰብኣዊ መሰላት ዘይብላ እንኮ ምዕራባዊት ሃገር ተባሂላ ተጠቒሳ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ሕማም ልቢ እንታይ እዩ፧ ኣገባብ ኣፈዋውሳኡ'ኸ፧ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ክተውጽእን ንዘተ ድልውቲ ክትከውንን ኢትዮጵያ ፀዊዓ። ኣብ ኤርትራ ጽንብል መበል 36 ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡“ቅያ ፈንቅል ንወለዶታት” ብዝብል ቴማ ክካየድ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ግጭት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፀጥታዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ብቕሓት ንምክትታል ዘበራብር ምዃኑ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ። ኣብ ዓፋር ምስዘለዉ ዕጡቓት ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላምን ዘተን ንኽፍታሕ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ፀዊዑ። ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ ውን ነቲ ጎንጺ ንምፍታሕ ጻዕሪ ይገብሩ ከም ዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ መስገሪ ራፋሕ - ግብጺ ብመጠኑ ክኽፈት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምኽፋቱ ከባቢ 180 ፍልስጤማውያን ንቓዛ ገዲፎም ከምዝወጹ ሰብ መዚ እቲ ግዝኣት ገሊጾም። እቲ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ መስጊድ ክራይስትቸርች 51 ሙስሊም ኣምለኽቲ ዝቐተለ ኣውስትራልያዊ ኣኽራሪ ጻዕዳ ዝምልከት ናይ ይግባይ መስርሕ ፍርዲ ፡ ሎሚ [9 ሰኑይ] ክጅምር እዩ ፣ ተጻዋታይ ራግቢ ብርስቤን ብራኮንሶስ ፓይነ ሃስ ነታ ጋንታ ገዲፉ ምስ ጋንታ ደቡብ ሲድኒ ራቢቶስ ንምጽዋት ናይ ሰለስተ ዓመት ውዕል ከቲሙ ።


Check out our podcast collection here


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now