Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ቀጥታ ምሉእ SBS ትሕዝቶ ትግርኛ ፖድካስት (09 ሓምለ 2026)

SBS Tigrinya news
Source: Getty

ን ሎሚ ሓሙስ 9 ሓምለ 2026 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዚ ዝስዕብ እዩ፥


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS



Share this with family and friends


ን ሎሚ ሓሙስ 9 ሓምለ 2026 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዚ ዝስዕብ እዩ፥


ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሑ’ሎ። 48 ሃገራት ኣሳቲፉ ታሪኻዊ ውራይ ብምዃን ናብ ምዝዛም ገጹ ይቀራረበሉ ኣሎ ፡ ኣብ ዙር 16 ድማ መሰጥቲ ግጥማትን ጽንዓት ዝመልኦም ተወፋይነታት ተራእዮም፣ ሃላንድን ኖርወይን ንብራዚል፣ ቪኒስየስ ጁንየርን ነይማርን ብኣግኡ ዓዶም ክምለሱ ክገብርዎም’ንከለዉ እንግሊዛውያን ድማ ብ10 ተጻወቲ ቅያን ጅግንነትን ብምርኣይ ዝሓለፍሉ ኮይኑ። ጉዕዞ ወከልቲ ኣፍሪቃ ሞሮኮን ግብጽን፣ ሓበን ኬፕ ቨርደ፣ ከምኡ’ውን ክሳብ’ዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዝተራእዩ ካልኦት ተጠቀስቲ ተርእዮታትን ክትንትነልና ከም ወትሩ ንጋዜጠኛን ተንታኒን ስፖርትን ኣዳላዊ መደባት ስፖርት ኣብ ዩትዩብ ቻነል 'ነጋ ስፖርትስ' ዝኾነን ነጋ ወልደጊዮርጊስ ደጊምና ዓዲምናዮ ኣለና።

 

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡

ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ዝተሸለምዎ 50 ሽሕ ዶላር ግዳያት ኲናት ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣበርኪቶም።

ፖሊስ ከተማ ኣኽሱም ኣብ መንበሪ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ጥይት ተኲሶም ንዝበሎም ሰለስተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ ።

ኤርትራ ንዕኣ ዒላማ ንዝገበረ መደረ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ብትሪ ነቒፋ።

ግብጺ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብኣልማማ ትኣስርን ተባርርን ከም ዘላ ተገሊጹ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያ እትርከብ ስትራቴጂካዊት ዶባዊት ከተማ ኩርሙክ ዳግማይ ከም ዝተቖጻጸራ ገሊጹ።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

 

ኣርእስታት ዜና፥

 

ዴንማርክ ንግሪንላንድ ካብ ወረራ ኣመሪካ ንምክልኻል ድልውቲ ምዃና ገሊጻ።

ተልስትራ ፡ እቲ ናይ መራኸቢ መርበቡ ከምዝተዓረየ ገሊጹ። እቲ ትማሊ ዘጋጠመ ምቁራጽ መርበብ ብደረጃ ሃገር ኣገልግሎት ሞባይል ፡ ስርዓተ መጓዓዝያ ባቡርን ገለ ናይ ትሪፕል ዜሮ ምድዋልን ተዓናቒፉ ዊዒሉ እዩ።

ኣርጀንቲና ኣንጻር ግብጺ ገጢማ ምስሰዓረትን ስዊዘርላንድ ብፍጹም ቅላዕ መጥቃዕቲ ንኮሎምቢያ ምስ ሰዓረትን ኩለን ናብ ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝሓለፋ ሃገራት ተፈሊጠን።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now