ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (09 መጋቢት 2026)

SBS Tigrinya Daily News (22/04/2021)

Source: Getty

ን ሎሚ ሰኑይ 09 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኩነታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስግኣት ምንሃር ዋጋታት መግቢ ፈጢሩ፣ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ስድራታት ኣብ ግዜ ረመዳን ከይጽገማ ተፈሪሑ።።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ (AI) ብዘይካ እቲ ዝህቦ ረብሓ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ እንተ ማዕቢሉ ንዘርኢ ሰብ ክሳብ ምጥፋእ ዝከይድ ብልሒ ወይ ዓቕሚ ከምዝህለዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ርድኢትና ብዛዕባ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ AI ንምስፋሕ፡ ምስቲ ተክኖሎጂ ዝመጹ ዘለዉ ዕድላት ክንጥቀመሎም ክንክእልን ካብቲ ዘሎ ሓደጋታት ብኸመይ ክንከላኸል ከምንኽእልን ምስ ክኢላ ሓበሬታ ተክኖሎጂ (IT) ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን ዝገበርናዮ ናይ መወዳእታ ክፋል ቃለ መሕትት። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዝምድና ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ካልኦትን ዘጠናኽር እዩ ዝተብሃለ መድረኽ ኣብ መቐለ ተኻይዱ። ኤርትራ ተወሰኽቲ እሱራት ፈቲሓ። ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንዝመፅእ ሓፈሻዊ መረፃ ብዘይካ ትግራይ ኣብ ኩለን ክልላት መስርሕ ምዝገባ መረፅቲ ጀሚሩ። ኣርባዕተ ውድባት ትግራይ ዝጠመረ ሓዱሽ መድረኽ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢሩዎ ዝበሎ"ወተሃደራዊ ከበባ" ከልዕሎ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ። ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ካብ ውድባዊ ሓላፍነቱ ተኣልዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ውግእ ኢራን ናብ ካልኣይ ሰሙን ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ፡ ኢራንን እስራኤልን ሓድሽ መጥቃዕቲ ተለዋዊጠን ። ኣብ መላእ ዓለም ንውግእ ኢራን ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ። ብኢራን ዝውቅዓ ዘለዋ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምሃብ ንዝወጸ መደብ ከም ዘይድግፍ ሰልፊ ግሪንስ ገሊጹ። እንግሊዛዊ ጆርጅ ራስል ኣብ ፎርሙላ ዋን ዉድድር Australian Grand Prix ብ ሰንበት 8 መጋቢት ኣብዝተኻየደ ዉድድር ተዓዊቱ ።


Check out our podcast collection here


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now