ቀጥታ ፈነወ SBS ትግርኛ (09 ግንቦት 2022)

SBS Tigrinya News

Source: Getty Images

ካብ ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራልያዊያን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ንሕሙማት መንሽሮ ደም ፡ ካብ ተጻዋርነት መድሃኒት ዝከላኸል ሓድሽ ሕክምና ብምርካቦም ፡ ንሕሙማት ካንሰር ተስፋ ዝህብ ርኽበት ተባሂሉ ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰንን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንቶኒ ኣልባነስን ኣብቲ ብ 9 ኔትዎርክ እተወደበ ናይ ምርጫ ክትዕ ፡ ንኻልኣይ ግዜ ተራኺቦም ተኻቲዖም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻባት ኣርእስታቶም፥ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ምስ ኤርትራውያን ነበርቲ ጁባን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ምጥፋእ ዓሌት መርትዖታቱ ንምስዋር ኣስከሬናት ይቃጸሉ ኣለዉ ተባሂሉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ሃይማኖታዊ ጎንጺታት ብዘይወገናዊ ኣካል ክምርመሩ ሓቲቱ። ቃለ ምሕትት፥ ኣቶ ግርማይ ገብረመድህን ኣብ ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዘበርከቶ ወለንታዊ ስራሕን ናይ ኮሙዩኒትይ ኣገልግሎትን ብ Afriqueensland ክሽለም በቒዑ ኣሎ። ብዛዕባቲ ዝረኸቦ ሽልማትን ዝገብሮም ንጥፈታትን ኣዕሊሉና ኣሎ።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ’ውን ቀሪቡ ኣሎ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service