ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ጥቅምቲ 2025)

World - Tigrinya.jpg

ሎሚ ሓሙስ 09 ጥቅምቲ 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ፡ ንሱዳናዊ ኣዛዚ ሚሊሻ ዓሊ ሙሓመድ ዓሊ ዓብድ-ራሕማን ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ ። ነቲ ኣብ ግጭት ዳርፉር ዘጋጠመ ኣስታት 300,000 ሰባት ዝቐተለን ብግምት ካብ 2.7 ሚልዮን ሰባት መዛበለን ግፍዒ ፡ ናይ ፈለማ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እዩ ። ሙሳብ ሓሰን ዝበሃል ካብዚ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓነ ሰብኣይ: እቲ ብይን ንኹሎም ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ቀሪቦም ንህዝቡ ተስፋ ከም ዝህብ ገለጸ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ሉኡኽና ዝሰደልና ጸብጻም ኣይበጽሓናን ዘሎ፥ ጉዕዞ መገዲ ኣብ ኣውስትራሊያ : ቅድሚ ጉዕዞ ምጅማር ክፍለጡ ዝግብኦም ነገራት ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ብዙሓት ማሕበረሰባት ዲያስፖራ ዝበጽሖም ስግረዶባዊ ጭቆና ዒላማ ዝገበረ ጻዕርታት ንምምካት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ጻዕርታት ንሰኔት ኣፍሊጡ። ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ሰላም ሓማስ ዝርዝር ኣስማት እቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ክፍትሑ ዝደልዮም ፍልስጢኤማዊያን እሱራት ኣረኪቡ፣ ኤርትራ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ብዝዕባ ሃገሩ "ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣፍደገ ባሕሪ” ከም ዝተመንዝዐት ዝሃቦ መግለጺ መልሲ ሂባ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service