ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (10 ሓምለ 2023)
ናይ ሎሚ ሰኑይ 10 ሓምለ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ልኡኽ ሰላም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ኣምሪሑ። ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ መቐለ ተመዛበልትን ብሓባር ሰላማዊ ሰልፊ ኣሳሊጠን። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሄሰን፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ንዝተወልዐ ጎንጺ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ክዘራረብ ዩ። ብውሑድ 200 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ተሰዊራ። ሎሚ ፡ ባህላዊን ኣገደስቲ ጽሑፋት ነቕርበሉን ሙዚቃ ነስምዓሉ መዓልቲዩ። በዚ መሰረት ድማ ሎሚ ኣብ መደብ ባህላዊን ኣገደስቲ ዛዕባታትን፡ "ኣገደስቲን ጠቐምትን ምኽርታት" ቀሪብና ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን’ውን ኣካል ናይዚ ምሸት ትህዝቶና እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ናብ በርሊን ኣትዩ ፣ ኣብኡ ድማ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ስምምዕ መከላኸሊ ምስ ጀርመን ውዕል ፈሪሙ ። ** ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሄሰን፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ንዝተወልዐ ጎንጺ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ክዘራረብ ዩ። **ፍሉጥ ስጳኛዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሉዊስ ስዋረዝ ኣብ መበል 88 ዓመት ዓሪፉ።
Share