ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሕዳር 2025)

News SBS Audio Mic.png

ን ሎሚ ሰኑይ 10 ሕዳር 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣውስትራሊያ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኩናት ዓለም ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ዝሃበቶ ቀዋሚ ናይ ሰብኣውነት ቪዛ ሓደ ሚሊዮን ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ ። እዚ ኣገዳሲ ቁጽሪ ፡ ስደተኛታት ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ክብሪ ክወሃቦም ደሪኹ ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ምስ ዳይረክተር ፔን ኤርትራ ዝገበርናዮ ካል ኣይ ክፋል ዕላልውን ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክትታት ታሕተዋይ ኦሞ መሰል ደቀባት ብምግሃስ ገበነኛ ገይሩ። ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዛሪቡ። ስርዓት ሓመድን ማይን ትግራይ ብኲናት ከም ዝተመረዘ፣ ዘላቒ ሓደጋ ስነ-ህይወት ከም ዘሎ ሓደ መጽናዕቲ ኣጠንቂቑ። ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበሩ ዕጡቓት ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለሱ ገሊጾም። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ተጣበቕቲ ፍልስጤማውያንን ክሊማን ምስ ኣይሁዳውያን ጕጅለታት ሓቢሮም ነቲ መንግስቲ ኒው ሳውዝ ዌልስን ፖሊስን ንጉጅለ ኒዮ ናዚስት ሰልፊ ክገብሩ ንምድጋፍ ዝተወስደ ስጉምቲ ተቓዊሞም። ** ኣስታት 300 ገያሾ ጽዒና ኣብ ጥቓ ዶብ ታይላንድ-ማለዥያ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም ኣማኢት ድማ ጠፊኦም ። ** ማንቸስተር ሲቲ ነታ ሻምፕዮን ፕሪሜር ሊግ ዝኾነት ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ኣብ ማንቸስተር ሰለስተ ብባዶ ሲዒራታ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service