ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ታሕሳስ 2025)
Credit: Beyene Weldegiorgis
ንሎሚ ሓሙስ 11 ታሕሳስ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ። ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ። መንግስቲ ፌደራል ንፕሮጀክት መቐለ 2.2 ቢልዮን ብር ሰሊዑ። ቀ/ሚ ህንዲ ኣብዚ ሰሙን ናብ #ኢትዮጵያ ክበጽሕ ተባሂሉ፣ ዕላማኡ ድማ ሽርክነት ልምዓትን ምትእስሳር ኣፍሪቃን ንምድልዳል እዩ። ኣብ ሱዳን፡ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ከምዝተቐትሉ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ። ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ’ውን ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ኲንስላንድ ፡ ነቶም ብዋሕስ ዝፍትሑ ካብ 10 ዓመት ኣብ ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኤለክትሮኒካዊ ምክትታል ዘግብር ዘውጽኦ ሕጊ ፡ ናብ ባይቶኣዊ ኮሚተ መሪሕዎ ። ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ በጻሕቲ ቪዛ ተዋሂብዎም ናብታ ሃገር ንኻኣትዉ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክገብርዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ከርእዩ ክግደዱ እዮም ። 230 ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ፡ ናብታ ሀይቲ ኣትዮም ።
Share












