ቀጥታ ምሉእ ፈነወ SBS ትግርኛ ፖድካስት (11 ሓምለ 2022)

Source: Getty Images
ናይ ሎሚ ሰኑይ 11 ሓምለ 2022 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዞም ዝስዕቡ ትሕዝቶ ኣለዎ፡ ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ኣብ ምረቓ ወተሃደራት ሶማልያን ተረኺቡ ፤ ዝተሃንጹ ትሕተ ቅርጺን ተዓዚቡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ማዕበል ማእሰርቲ ዜጋታት ጀሚሩ። ሓላፊ ርክባት ወጻኢ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ፖለቲከኛ ክብሮም በርሀ ስብሃትለኣብ ዝርከቦም ሰባት ከም ዝተኣስሩ ተገሊጹ። ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ሳላሕ ጂሚዕ ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ን ብዛዕባ ኩነታት ህዝባዊ ናዕቢ ስሪላንካ ዝገልጽ ትሕዝቶን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** እስራኤል ንገዛእ ርእሳ ካብ ኑክልየሳዊ መደባት ኢራን ንምክልኻል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ መሰል ከም ዘለዋ ገሊጻ ። ** ኖቫክ ደጀኮቪች ንኒክ ኪርጊዮስ ብምስዓር ንራብዓይ ተኸታታሊ ዓወት ዊምበልደን 4-6 6-3 6-4 7-6 (3) ነጥቢ ተዓዊቱ።
Share