ን ሎሚ ሓሙስ 11 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ ፥
ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 መዓልቱ ኣኺሉ ዝጅመረሉ እዋን በጺሑ'ሎ። ኣብ'ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብቐጥታን ብነጻን ዘመሓላልፍ መደበር ቴሌቪዥንን ሬድዮን SBS እዩ። ስለ'ዚ እዚ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ውራይ ክካየድ'ንከሎ ሸፈነና ኣብ ኩሉ መድረኻት ቴሌቪዥን፡ ሬድዮ፡ መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መድረኻትን ክውስኽ'ዩ ማለት'ዩ።
ንሎሚ እምበኣር እቲ ጸወታታት ቅድሚ ምጅማሩ ብዛዕብኡ ሓፈሻዊን እዋናውን ሓበሬታን ርእይቶን ንምርካብ ኢብራሂም ዓሊ ምስ ተንታኒ ስፖርትን ኣዳላዊ "ነጋ ስፖርት"ን ዝኾነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ ሓጺር ዕላል ኣካይዱ ኣሎ።
ብተወሳኺ፥ ጋዜጠኛታት በርሃን እስማዒልን ኣሕመድ ማሕሙድን ኣብ ናይ ኮሚኒቲ ራዲዮ 3 CR ኣብ ማሕበረሰብ ብዝገበርዎ ጽልዋ "ጽልዋ ኣብ ማሕበረሰብ" ናይ 2026 ተሰለምቲ ክኾኑ ኪኢሎም ኣለዉ። ብዛዕባ ዝተዋህቦም ሽልማትን ምኽንያት መሸለሚኦምን ዝተገብረ ዕላል ኣለና።
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡
ኣብ መረፃ ኢትዮጵያ ብልጽግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኣወጁ ውጽኢታት ምርጫ ዝተወዳደረሎም መንበራት ኩሎም ከምዝሰዓረ ተፈሊጡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ግብጺ ኣገዳሲት ወደብ ሱክና በጺሑ።
ናይ 2019 ዓ/ም ዓመታዊ ባጀት ኢትዮጵያ 2.3 ትሪልዮን ኮይኑ ፀዲቑ።
ትግራይ: ትካል ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይን ኣቦወንበሩን ብደረጃ ኣፍሪካ ተዓዊቶም።
ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።
ኣርእስታት ዜና፥
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዝህሉ ኣጠንቂቑ ።
ኣብ ቤልፋስት ፡ ድሕሪ ንምሉእ ለይቲ ኣንጻር ስደተኛታት ዝተገብረ ዕግርግር፡ ፡ ኣባይትን ማካይንን ብሓዊ ነዲዶም ።
ዋንጫ ዓለም 2026 ካብ ሎሚ 11 ሰነ ጀሚሩ ብወግዒ ክጅመር እዩ ።





