Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2026)

SBS Tigrinya news

ን ሎሚ 12 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ኣቢልዎ። እቲ ምኽንያት ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ዝቕባበ ኣብቂዑ ክውስኽ ብምጅማሩ እዩ። እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታኣይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብሉ ኣሎ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ሕውየት ድሕሪ ባርዕ ዱር ብኸመይ ይርከብ፧ ክንርእይ ኢና። ኣርእስታት ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወጥሪ ትግራይን ፌደራልን ክሃድእ ፀዊዑ። ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። ሰራዊት ምክልኻል ካብ ክልል ኣምሓራ ምንቅስቓሱ ስግኣት ኣስዒቡ። ኤርትራ ብብልሽውና ምስ ቀዳሞት ሃገራት ተሰሪዓ ደረጃ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ናይ መወዳእታ ተጠቒሱ ኣሎ ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢቤኤስ ቴሌቪዥን ኣማን ፍስሃፅዮን ዓሪፉ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ፖሊስ ቪክቶርያ ፡ ቅድሚ እቲ ሎሚ ሓሙስ 12 ለካቲት ፕረዚደንት እስራኤል ናብ መልበርን ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ብመሰረት ሕጊ ግብረ-ሽበራ ፍሉይ ስልጣን ተፈቒዱሉ ። ክልተ ዜጋታት ቻይና ፡ ፌደራላዊ ፖሊስ ኣውስትራሊያ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ከም ዝገበሩ ከሲሱ ፡ ኣብ ካንበራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ። ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ቶማስ ፍራንክ ፡ ድሕርቲ እታ ጋንታ ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ብኒውካስል ድሕሪ ዝወረዳ ናይ ክልተ-ሓደ [2-1] ስዕረት ፡ ካብ መዝነቱ ተላዒሉ ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Share this with family and friends

Check out our podcast collection here

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now