ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (12 መጋቢት 2026)

Source: Getty / Getty Images
ን ሎሚ ሓሙስ 12 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘካይዳኦ ዘለዋ ውግእ ፡ ቀንዲ ሰንሰለት ነዳዲ ዘይትን ጋዝን ብምዕንቃፉ ፡ ዋጋታት ነዳዲ ዓለም ሰማይ ይዓርግ ኣሎ ። መራሕቲ ዓለም ፡ ነቲ ኣብ ዘይግዜኡ ብኣመሪካ ዝተወለዐ ኲናት ፡ብጥርጣረን ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ዝዕዘብሉ ዘለዉ ፡ ንቐጻሊ ጸቕጥታት ጸዓት ኣብ ምድላው ይርከቡ ኣለዉ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ቅድሚ ብልጃኻ ምጥርናፍ ምሕሳብ : መብርሂ ብዛዕባ ሕግታት ብዶባት ቁጽጽር ዝግበረሎም ነገራትን ስነ-ህይወታዉያን ትሕዝቶታት። ትሕዝቶ ዘለዎ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡ ሃገራዊ ማሕበር ላቦራቶሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ሓሙሻይ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ሃገራዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ን7 ኣብነታውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓረስቶት መተባብዒ ሂቡ። ውድብ ስምረት ንውሳነ ቦርድ መረጻ ዘቐረቦ ክሲ ስሒቡ። ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ከቢድ ፋይናንሳዊ ፀገም ኣብ ሓደጋ ምዕፃው ከምዘለዋ ኣፍሊጡ። ጉግል ኣብ ሰርች ኢንጅን ኣምሓርኛ፣ ኣፍን ኦሮሞን ሶማልኛን ዝርከቡዎም 13 ቋንቋታት ኣፍሪቃ፡ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽደ፡ ኣጠቓቕማ ነዳዲ “ብዓቢ ጥንቃቐ” ክግበር ኣተሓሳሲቡ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኢትዮጵያውያን ናይ ቪዛ መጠንቀቕታ ሂቡ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ሓድሽ መጥቃዕቲ ፈጺማ ፡ በቲ ኣብ ከባቢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንኣርባዕተ ሰባት ጎዲኡ ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ውግእ ዝያዳ እንተ ኣስፋሕፊሑን ዓብዩን ፡ ዋጋታት ነዳዲ ንሓደ በርሚል $US200 [[A$300]] ክኸውን ከምዝኽእል ወተሃደራዊ እዚ ኢራን ኣጠንቂቑ ። ሚኒስተር ስፖርት ኢራን ኣሕመድ ዶኒማሊ ፡ ሃገሩ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ ክትወዳደር ከም ዘይትኽእል ገሊጹ ።
Share



