SKIP TO MAIN CONTENT

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ግንቦት 2025)

World - Tigrinya.jpg

ን ሎሚ 12 ግንቦት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ካንሰር ፕሮስቴት እቲ ዝልዓለ ልሙድ ናይ ካንሰር ሕማም እዩ ፡ ኣቐዲምካ እንተተመርሚርካ ግን ብተዛማዲ ንምፍዋሱ ቀሊል እዩ ። ካብ ባህሊን ቋንቋን እተፈልየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ግን ካብ ካልኦት ኣውስትራሊያዊያን ንላዕሊ ብፕሮስቴት ካንሰር ክሓሙ ዝተቓልዑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን መገዲ ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ካብ ትግራይ ምዃኑ ብዝተነግረሉ ወርቂ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ብሸርፊ ወፃኢ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። ፈስቲቫል ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ ተዛዚሙ። ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ንሕቶኦም ምላሽ እንተዘይረኺቡ ክሳዕ ምቍራጽ ስራሕ ዝበጽሕ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም። ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ ብዘጋጠመ ውሕጅ ብውሕዱ 7 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ኣፍሊጦም። ኣብ ሱዳን ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ዝቆጻጸሮ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 19 ሰባት ተቐቲሎም። ጀርመን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኤውሮጳ ዝሰገሩ 19 ሓተቲ ዑቕባ ዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛታት ንድሕሪት መሊሳቶም። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ቻይና ንግዳዊ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ ኣሎ ። ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ፡ ብውሑዱ 60 ሰባት ተቐቲሎም ፡ ኣሽሓት ድማ ካብ ኣባይቶም ድሕሪ ምህዳሞም ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተኣፋፊ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ተገይሩ ። ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ኣብ ኣንፊልድ ኣብ እተገብረ ግጥም ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ 2ብ2 ዝኾነ ነጥቢ ብማዕረ ጸወታአን ዛዚመን ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Check out our podcast collection here

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now