ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሓምለ 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ሓሙስ 13 ሓምለ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ድሒሩ ኣብ’ዚ ዓመት፣ ኣውስትራልያውያን ነዚ ዝስዕብ ሕቶ 'እወ' ወይ 'ኣይፋል' ኢሎም መልሲ ክህብሉ ዝሕተትሉ ሓደ ድምጺ ህዝቢ ወይ ረፈረንደም ክሳተፉ’ዮም። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ’ዩ። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዎ፡ መራሕቲ ጎረባብቲ ሱዳን ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸገም ጸጥታ ንምፍታሕ ግብጺ ኣትዮም። ኣብ ትግራይ ካብቲ ናይ ኢትዮጵያ ዝተፈለየ መረፃ ኤጵስ ቆጶሳት መንበረ ሰላማ ካሳቴብርሃን ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቦ ዘቕረቦ ዓመታዊ ገምጋም ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ዘይምርግጋእን ከም ዝቐጸለ ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ጥንታዊት ከተማ ሃረር ኣባል ዓለምለኻዊ ሓድግታት ኮይና። ሓደ እስራኤላዊ ኣብ ጎንደር ተጨውዩ። ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዎ ዑደት ብኬንያ ጀሚሮም። ገጣሚት ይርጋኣለም ፍስሃ ናይቲ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ኣብ ሙኒክ (ጀርመን) ዝወሃብ ሽልማት ጆርጅ ኤልዘር ናይ 2023 ተሸላሚት ኮይና ኣላ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ናብ ኣውስትራሊያ ብትምህርቲ ንዝመጹ ዝኸውን መንበሪ።ብዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ **ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣውስትራሊያ ተወሳኺ 30 ናይ ቡሽ ማስተር ድሩዓት ወተሃደራዊያን ማኪና ንዩክረይን ምልጋሳ ኣፍሊጡ ። ** ኣብ ሱዳን ብዝተወለዐ ግጭት ካብ መነባብራኦም ናይ ዝፈናቐሉ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ከም ዝበጽሐ ተገሚቱ ። ** ሓደ እስራኤላዊ ኣብ ጎንደር ተጨውዩ። ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዎ ዑደት ብኬንያ ጀሚሩ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service