ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (13 ሰነ 2022)

Source: Getty Images
ናይ ሎሚ ሰኑይ 13 ሰነ 2022 ምሉእ ትሕዝቶ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡ ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ኣብ ኤርትራ፣ መደበር ጥዕና ሓሊብመንተል፡ ኣብ ክትትል ቅድመ-ሕርሲ ዝምስገን ኣበርክቶ ትገብር ኣላ ተባሂሉ። ኢትዮጵያውያን ነጋዶን ኣውፈርትን ንወደብ በርበራ ክግልገሉሉ ከም ዝተጸገሙ ገሊጾም። ኤርትራ ንዜጋታት ሓገዝ ከይረኽቡ ብምክልኻል ተወቒሳ። ቃለ መሕትት ምስ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪ ስነ ሕብረተሰብን ቁጠባን ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ መሊሱ ኣሎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካልእ ትሕዝቶታትንውን ኣለዉ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሓላፊ ዉድብ ንግዲ ዓለም: ን 164 ኣባላተ ሃገራት እቲ ዉድብ ነቲ ኣብ ዩክረይን ብዘሎ ውግእ ዝስዕብ ጥሜት ንምቍጽጻር ስጕምቲ ክወስዳ ተማሕጺኑ ። ** ኣብ ፈረንሳ ንዝግበር ምርጫታት ባይቶ ፡ ምሃብ ድምጺ ጀሚሩ።
Share