ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሰነ 2024)

on the studio with beye.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 13 ሰነ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኢንስቲዮት ዓለም ለኸ ጉዳያት ኣውስትራልያ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብል መደምደምታ ዝቐርበሉ ዘሎ ገበን ጄኖሳይድ ዓለምለኻዊ ምላሽ ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ናይ 2.1% ሕጽረት ባጀት ከጋጥማ ምዃኑ ሚኒስተር ፋይንናስ እታ ሃገር ኣሕመድ ሸዴ ገሊጹ። ኤርትራ፡ ንጡፍ ህላዌ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ከምትደሊ፡ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኤርትራ ተዛሪቡ ሉእኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት እዩ እዚ፡ ኣብ ቃለ መሕትት ብምኽያት ቅንያት ስደተኛታት ምስ ዶክተር ኪሮስ ሕሩይ: ኣንትሮፖሎጂስትን ኪኢላ ዞባዊ ምዕባለን እዩ:: ካብቲ finding home far from home ወይ ካብ ርሑቕ ዓዲ መጺእካ ዓዲ ምንዳይ ኣብ ዝብል ትምህርታዊ ምርምሩ፡ ብዛዕባ ኩነታት ምጥያስ ኣፍሪቃዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ መጽናዕቲ ዝገበሮ መሰረት ዝገበረ ቃለ መሕትት ። ስነ ጥበብ ደቀ’ባት፡ ምስ ሃገር ዘተኣሳስርን መስኮት ሕሉፍን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ካልኣይ ዝለዓለ ብዓል ስልጣን ቻይና ሊ ቻያህንግ ፡ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ምብጻሕ ንምግባር ፡ ናብ ኣውስትራልያ ክመጽእ እዩ። ዋና ጸሓፊ ስቴት ደፓርትመንት ኣመሪካ ኣንቲኒ ብሊንከን ብሓማስ ዝቐረበ ገለ ለውጢታት ብዛዕባ ምቁራጽ ተኹሲ ዝሰርሕ ኣይኮነን ይብል ። ኢትዮጵያ ናይ 2.1% ሕጽረት ባጀት ከጋጥማ ምዃኑ ሚኒስተር ፋይንናስ እታ ሃገር ኣሕመድ ሸዴ ገሊጹ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሰነ 2024) | SBS Tigrinya