ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መጋቢት 2025)

on the studio with beye.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 13 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ነጺጋ። ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ምዕራባውያን ዘትዮም ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ማእኸላይ መንግስቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝቐረበ ጻውዒት ተቓዊሙ። ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም። ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሕነት ቋንቋታት ቀዳሞት ህዝብታት ዝብል ኣርእስቲ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ንናይ ኣውስትራሊያ ንዘቤታዊ ኢንዱስትሪ ሓጺን ንምድኻም ናይ ንግዲ ቀረጽ ይጥቀም ኣሎ ክብሉ ሰብ መዚ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣውስትራሊያ ገሊጾም ። ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ነበር ሮድሪጎ ዱተርተ ፡ ብሰሉስ [11 / 03 /] ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ማኒላ ብሃንደበት ተታሒዙ ፡ ናብ ሄግ ተወሲዱ። ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ካብ ዝርከብ መስጊድ ባንዴራ ብምስራቕ ተተሓሒዙ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ኣለዉ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መጋቢት 2025) | SBS Tigrinya