SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መጋቢት 2025)

on the studio with beye.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 13 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ነጺጋ። ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ምዕራባውያን ዘትዮም ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ማእኸላይ መንግስቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝቐረበ ጻውዒት ተቓዊሙ። ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም። ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሕነት ቋንቋታት ቀዳሞት ህዝብታት ዝብል ኣርእስቲ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ንናይ ኣውስትራሊያ ንዘቤታዊ ኢንዱስትሪ ሓጺን ንምድኻም ናይ ንግዲ ቀረጽ ይጥቀም ኣሎ ክብሉ ሰብ መዚ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣውስትራሊያ ገሊጾም ። ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ነበር ሮድሪጎ ዱተርተ ፡ ብሰሉስ [11 / 03 /] ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ማኒላ ብሃንደበት ተታሒዙ ፡ ናብ ሄግ ተወሲዱ። ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ካብ ዝርከብ መስጊድ ባንዴራ ብምስራቕ ተተሓሒዙ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ኣለዉ ።

Published

Updated

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ንሎሚ ሓሙስ 13 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ነጺጋ። ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ምዕራባውያን ዘትዮም ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ማእኸላይ መንግስቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝቐረበ ጻውዒት ተቓዊሙ። ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም። ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሕነት ቋንቋታት ቀዳሞት ህዝብታት ዝብል ኣርእስቲ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ንናይ ኣውስትራሊያ ንዘቤታዊ ኢንዱስትሪ ሓጺን ንምድኻም ናይ ንግዲ ቀረጽ ይጥቀም ኣሎ ክብሉ ሰብ መዚ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣውስትራሊያ ገሊጾም ። ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ነበር ሮድሪጎ ዱተርተ ፡ ብሰሉስ [11 / 03 /] ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ማኒላ ብሃንደበት ተታሒዙ ፡ ናብ ሄግ ተወሲዱ። ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ካብ ዝርከብ መስጊድ ባንዴራ ብምስራቕ ተተሓሒዙ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ኣለዉ ።

Check out our podcast collection here

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now