ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሕዳር 2025)

SBS Audio.JPG

Credit: Beyene Weldegiorgis

ሎሚ ሓሙስ 13 ሕዳር 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ስደተኛ ኣብዚ ዓለም ዘድልዮ ንብረትን ኣገልግሎታትን እንተረኸበ'ኳ ወትሩ ኣብ ስምዒቱ ዝፍጠር ዘይምላእ ሃጓፍ ጸይሩ እዩ ዝጓዓዝ። እዚ ሃጓፍ እዚ እንታይ እዩ፧ ዋላ ናብቲ መበቆል ዓዱ እንተተመልሰ'ውን፡ እቲ ኣብ ስምዒት ስደተኛት ሓንሳእ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ኣይመልእን። ብዛዕባ'ዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲከን ትመራማሪ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ዶ/ር ኣማኑኤል ዝሃበና መብርሂ። ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን፣ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ብዕረፍቲ ስሙይ ስነ-ጥበበኛ በረኸት መንግስትኣብ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሓዲሽ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቀቢሉ። ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ታየ ደንደኣ ካብ ዝተኸሰሱሉ ሰለስተ ክስታት በቲ ክልተ ነጻ ከምዝኾነ ጠበቓኡ ሓቢሩ። ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጅንካ ሕማም ሄሞራጂክ ፌቨር ከምተኸሰተ ሚኒስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ፋይናንሲያዊ ውጥን መጻኢ ዉልድኩም ብኸመይ ትሰርዕዎ፡ ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ነቶ ኣውስትራሊያ ብቻይና ዝድገፉ ሃከራት ኣብ ልዕሊ ጸጥታይ ስግ ኣት የውርዱ ኣለዉ ኢላ ብመገዲ ሓላፊ ጸጥታኣ ዝገለጸቶ ፡ ቻይና ነቲ ክሲ "ዘይረብሕ ዘረባ" ብምባል ተቓዊማቶ ። በሃር ስነ ስነጥበብኛ በረኸት መንግስትኣብ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ ተፈሊጡ። ሳም ኬር ካብ ታሕሳስ 2023 ጀሚራ ንመጀመርታ ግዜኣ ምስ ጋንታ ቸልሲ ጸወታ ኣብቲ ምስ ኦስትርያዊ ግጥማት ቻምፕኢዮን-ሊግ ተጻዊታ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service