ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ነሓሰ 2025)

World - Tigrinya.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 14 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። እዚ ቕንያት ኣብ ትግራይን ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ጎራዙት ዘዘውትራኦ ባህላዊ ጸወታት “ኣሸንዳ” ዘዘውትራሉ ቅነ እዩ። ነዚ ዘንጸባርቕ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ። ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌጃንድሮ ኤስቲቪል መቐለ ኣትዩ ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውንኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ። ምኽሪ ንሓደስቲ ወነንቲ ገዛ እንስሳ፡ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ኣላስካ ዝካየድ ዋዕላ ትራምፕ-ፑቲን ፡ ኣብ በርሊን ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ተራኺቡ ተዘራሪቡ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣውስትራልያ ዝወሰደቶ ቕዋም ብዛዕባ ኣፍልጦ መንግስቲ ፍልስጤም ፡ ንሰላም ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ምድንፋዕ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ገሊጹ ። ኣስታት 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጣልያን ትጓዓዝ ዝነበረት ጃላባ ሎሚ ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ ምስ በጸሐት ብምግምጣላ ብውሕዱ 26 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት ደርዘን ዝዀኑ ከም ዝጠፍኡን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ገሊጾም ክብል ኣጃንስ ፍራንስ ጸብጺቡ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ነሓሰ 2025) | SBS Tigrinya